ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝወጸ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ንሽዱሽተ ወርሒ ዝጸንሕ`ዩ ኢሉ ሚንስተር ምክልኻል`ታ ሃገር


ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝተዋህበ መግለጺ፡ እቲ ኣዋጅ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ናብ ቤትምኽሪ ወከልቲ ቀሪቡ ምስ ጸደቐ ንሹድሽተ ኣዋርሕ ተግባራዊ ከምዝኸውንን፡ ኣብ ኩሉ ከባብታት`ታ ሃገር ተግባራዊ ከምዝኸውንን ተሓቢሩ`ሎ።

ንጋዜጠኛታት ዝተዋህበ መግለጺ “ ካብ ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ድሕነት ዝተዋህበ መግለጺ” ዝብል ክኸውን ከሎ፡ ነቲ መግለጺ ዝሃበ ሚንስተር ምክልኻል ኣቶ ሲራጅ ፈርጌሳ፡ ነቲ ኣዋጅ ንምፍጻም ሓዲሽ “ወተሃደራዊ እዚ” ከምዝቐውም ተዛሪቡ።

ብመሰረት`ቲ ኣዋጅ እዋን ሓደጋ “ ዝኾነ ሁከትን ረብሻን ዝገብር፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ምጥርጥራትን ምቅሕሓርን ዝፈጥር፡ ብዕልን ብሕቡእን ትኹተዃ ዝገብሩ፡ ጽሑፋት ምድላውን ኣሕቲምካ ምዝርጋሕን፡ ሰልፊ ምውጻእ፡ ብምልክት ምግላጽ ወይ ድማ መልእኽቲ ብዝኾነ ካልእ መንገዲ ንህዝቢ ወግዓዊ ምግባር ክልኩል`ዩ” ይብል።

እቲ ዝቐውም ወተሃደራዊ እዚ ኣድላይ ኢሉ ምስ ዝኣምን “ ዝኾነ መራኸቢ ሜላታት ክዓጹን ከምዝቋረጽ ክገብርን ይኽእል`ዩ፡ ኣብ ኣደባባይ ሰልፊ ምውዳብን፡ ብጉጅለ ኮይንካ ምንቅስቓስን ይኽልክል“ ኢሉ`ሎ።

ብተወሳኺ ኣዋጅ ሰዓት ሕላፍ ተፈጻሚ ዝኾነሉ ኩነታት ከምዝውሰን ብግላጽ “ እቲ ናይ 6 ወርሒ ኣዋጅ ምንዋሕ እንተድልዩ`ውን ኩነታት ተገምጊሙ ንተወሳኺ 4 ኣዋርሕ ክናዋሕ ከምዝኽእል ሚንስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ`ቲ እዋን ኣፍሊጡ`ሎ።

ብኻልእ ወገን ሕጂ መግለጺ ዘውጽአ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኢምባሲ ኣመሪካ “ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘውጽኦ ኣዋጅ እዋን ሓደጋ ፍጹም ኣይንሰማማዕን” ብምባል እቲ ኣዋጅ መሰረታዊ መሰላት ዝግድብ`ዩ ኢሉዎ`ሎ።

XS
SM
MD
LG