ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መምህር ሰለሞን ግርማይ፡ መምህር ባህላዊ ሳዕስዒት


Solomon Girmay, Traditional Dance Trainer
Solomon Girmay, Traditional Dance Trainer

ካብ 1973 ክሳብ 1983 ንከባቢ 10 ዓማውቲ ድምፃውን ሳዕሳዕን ብምኻን ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ሰሪሑ፡፡ ንኣስታት 26 ዓማውቲ ድማ ኣሰልጣኒ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ሳዕስዒት ብምዃን ኣብ ምግልጋል ይርከብ፡፡ መምህር ሰለሙን ካብ 1988 ዓ.ም.ኢ ብስሩዕ ብዙር ክሳብ ሕዚ ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ሳዕሳዕቲ ኣሰልጢኑ እዩ፡፡

Solomon Girmay, Traditional Dance Trainer
Solomon Girmay, Traditional Dance Trainer

መምህር ሰለሞን ዝሃቦም ስልጠና ሓሊፎም ድምጻውያን ዝኾኑ ቡዘሓት ኣለዉ፡፡ ገለ ኣብነት ዝገልፆም ማህሌት ገብረገርግስ፣ ዮሴፍ ረዳ፣ኣወጣሽ ፍትዊ፣ ዓይነኣለም ሓዱሽ፣ፀጋልኡል፣ሃረግ፣ ጌታቸውን ካልኦት ክፈርዩ ዘኽኣለ ምዃኑ ይገልጽ፡፡

መምህር ሰለሙን ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝስርሓ ብምስሊ ዝተዓጀባ ደርፍታት/ ክሊፓት/ ዘለዉ ሳዕሳዕቲ ዳርጋ ኩሎም ፍርያቱ ምኻኖም ይዛረብ፡፡ ኣብ ሓደ ደርፊ ዘለዉ ሳዕሳዕቲ እንተኾነ ኩሎም ተዘይኮይኑ ገሊኦም ተምሃሮይ ዘይብላ ዳርጋ የላን በሃሊ እዩ፡፡ ሰሪሑ ዘይደክም ሞያዊ ፍቅሩ ብገንዘብ ዘይዕቅን ፃዕራም ኣሰልጣኒ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡

መምህር ሰለሙን ብፍላይ ኣሸንዳ ተፈጥሮኣዊ መዓዝኡ ሓሊኡ ክጎዓዝ ዕዙዝ ተራ ይፃወት ። ብደረጃ ሃገር ኣብ ዝግበሩ ባህላዊ ውድድራት ጉጅለ መሪሑ ብምኻድ ዕውት ስራሕ እናሰርሐ እዩ መፂኡ፡፡

መምህር ሰለሙን ሕዚ ኣብ ኮሌጅ ኪነ ጥበባት ትግራይ ግዝያዊ መምህር ሳዕስዒት/ትልሂት/ ኮይኑ ኣብ ምስራሕ ይርከብ፡፡ መምህር ሰለሙን ብስእሊ ምልዓል ዝመሓደር እኳ እንተነበረ ናብ ሙዚቃ ኣዛዝዩ ዳረጋ ምልዓል ፎቶግራፍ ደው ኣቢሉ ይርከብ ፡፡

መምህር ሰለሙን ምንም ከይተኸፈለን ብክፍሊት ከይተደራደረን ንስራሕ ዘቀድም በዓል ሞያ እዩ፡፡ ሕዚ እውን ኣብ ቀረባ ግዘ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሚሊንየም ኣዳራሽ ንዝግበር ውድድር ምስ ሓሙሽተ ክልላት ተሓፅዩ ኣሎ፡፡ ጉጅልኡ ሒዙ ኣብ ቀረባ ግዘ ከምዝኸይድን እንተኾነ ብዓወት ዛዚመ ዋንጫ ሒዘ ይመፅእ ፤ተዘይኮይኑ ባህልታት ትግራይ ኣላሊየ ተመኢፀ እውን ርእሱ ዝኸኣለ ዓወት እዩ ይብል፡፡ ምስኡ ዝተገብረ ዕላል ይቕጽል፡፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:00 0:00

XS
SM
MD
LG