ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰላማዊያን ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ግዳያት’ቲ ኣርባዕተ ዓመታት ዘቑጸረ ኩናት ሓድሕድ ምኳኖም ተገሊጹ


 ስነ ስርዓት ቀብሪ ዱክ ኢቫንስ
ስነ ስርዓት ቀብሪ ዱክ ኢቫንስ

ራብዓይ ዓመት ዘቑጸረ ኹናት ሓድ ሕድ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዜጋታት እታ ሃገር ከቢድ ጽልዋ ይገድፍ ኣሎ። ገለ ካብቶም ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ናብ ጎረቤት ሃገር ዝተሰዱ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ኣብ ጎረቤት ኡጋንዳ ዝርኸብ ማጂላ ዝተባህለ መዓስከር ስደተኛታት ይርከቡ።

ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስቲ ሱዳንን ተቓወምቲ ወገናት ኣብታ ናይ ተቓወምቲ ጽንዕቲ ዕርዲ ምኳና ዝግለጽ ስትራቴጂካዊት ከተማ ካጆ ከጂ ዝተኻየደ ግጭት ወዲ 30 ዓመት ዱክ ኢቫንስ ተቐቲሉ።

ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ኢቫንስ ኣብኡ ሞሰስ ሶኪሪ ርእሶም ብምንቕናቕ ከምዚ ኢሎም።

“ብጣዕሚ ሕማቕ ስምዒት እዩ ዝስመዓኒ ዘሎ፡ እዚ እቲ ኹሉ ጊዜ ኣብ ኹሉ ነገር ዝድግፈኒ ወደይ እዩ። እንታይ ከምዝገብር ኾነ መጻኢየይ ከመይ ከምዝኸውን ኣይፈልጥን።”

ኣብ ካጆ ከጂ ሰለስተ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣለው፡ ስለዝኾነ ኢቫንስ መን ከምዝቐተሎ ክፍለጥ ኣይተኸኣልን።

ሓይልታት መንግስቲ ንምብራቓዊ ክፋል እቲ ዞባ ዝቆጻጸሩ ኽኮኑ ከለው ናይ ፕረዝደንት ነበር ሪክ ማቻር ተቓዋሚ ጉጅለን ሓድሽ ዝተመስረተ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ድማ ኣብ ከባቢ ከተማ ሶካረን ምዕራባዊ ክፋል እቲ ዞባን ይቆጻጸሩ።

ገለ ካብ ብሓይልታት መንግስቲ ዝፍጸሙ ግፍዕታት ዝሃደሙ ሰላማዊያን ሰባት እውን ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር ይነብሩ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዕጡቓት ጉጅለታት ዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ሽማግለታት እቲ ዞባ ዕርቂ ክኻይዱ እንተፈተኑ’ኳ ጻዕርታቶም ኣይተዓወተን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ንከተማ ሶካረን ካብ ተቓወምቲ ምንቅስቃስ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን መንዚዖም።

ድሕሪ ሓደ ሰሙን ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ተቓወምቲ ጉጅለታት መጥቓዕቲ ፈጺሞም።

በመሰረት ብእዋኑ ዝወጽዕ ተገራጫዊ ጸብጻብ ንዞባ ካጆ ከጂ መን ከምዝተቖጻጸራ ምፍላጥ ኣይኽኣልን፡ ብሰንኪ’ዚ ድማ ሰላማዊያን ዜጋታት እቲ ዞባ ናብ ንቡር መነባርኦም ዝምለስሉ ጊዜ ርሑቕ ይመስል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG