ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስርዓተ ምርጫ ኢትዮጵያ 'ተመጣጣኒ ድምጽን ውክልናን ብሓባር ዝትግበረሉ ክኸውን' ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ


Caption 2021-01-19 19:21:15 1
Caption 2021-01-19 19:21:15 1

ናይ ኢትዮጵያ ስርዓተ ምርጫ ናይ ኣብዝሓ ድምፅን ናይ ተመጣጣኒ ውክልናን ብሓባር ዝፍጸመሉ ክኸውን እዩ። 80 ሚእታዊ መናብር ብኣብዝሓ ድምፂ፣ 20 ሚእታዊ ድማ ብተመጣጣኒ ውክልና ክትሓዙ ኢህወዴግን ተቓወምቲ ፓርትታትን ተሰማሚዖም። 550 ዝነበረ መናብር ፓርላማ ናብ 660 ክዓቢ ትፅቢት ይግበር።

እዚ ማለት ኣብ ኢትዮጵያ 'ሕንፋጽን መንጽርን' ስርዓተ ምርጫ ግብራዊ ክኾን'ዩ። ኣብ መንጎ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን 11 ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝንቀሳቀሱ ተቓወምቲ ፓርትታትን ኣብ ስርዓተ ምርጫ እናዘተዩ ከምዝቐነዩ ዝዝከር'ዩ።

ምኽትል ፕሬዝዳንት መኢኣድ ኣቶ ሙሉጌታ ኣበበ 20 ካብ ሚእቲ ዝብል ስርዓት ዘስርሕ’ዃ እንተዘይኮነ ንዓወት ናይቲ ልዝብ ተቐቢልናዮ ኢሎም።

“ንህንፀት ዴሞክራሲ፣ነዛ መተካእታ ዘይብላ ሃገርናን ስለ ህዝባን ክብሃል ብመንፅር መትከል ሰላማዊ ቓልሲ እውን ልዝብ ቀዳማይ መማረፂ ስለዝኾነ ኣፈላላይና ከምዘሎ ኮይኑ እቲ ልዝብ ንክቕፅል ኢህወዴግ ዘቕረቦ ናይ 80፣20 ሚእታዊት ተቐቢልናዮ ኣለና።ሕጊ ኮይኑ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝቕመጥ ከይኸውን ኣብ ክንድኡ ብኣዋጅ ስርዓት ምርጫ ክቕመጥ ብሓደራ ክነተሓሳስብ ንደሊ።”

ናይ 11 ፖለቲካዊ ፓርትታት ምትእኽኻብን ካልኦት ተላዘብቲ ንዝቐረበ ናይ ተመጣጣኒ ውክልና ሚእታዊት ምቕባሎም ናእድኦም ዝገለፁ ናይ ኢህወዴግ ቀንዲ ተደራዳሪ ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ እዮም።

“እዚ ልዝብ ካብቶም ካልኦት ፍሉይ ዝገብሮ ወሳኒ ዝኾነ ናይ ዴሞክራሲ ሃውህው ከስፍሑ ዘኽእሉ ጉዳያት ብእንካ ሃባ፣ብምቅርራብን ብምስምማዕን እናተዘራረብና ዝመፃና ምዃኑ እዩ።እዚ ምናልባሽ ካብቲ ልዝብ ዝወፁ ፓርትታት እንተዝሳተፉ ነይሮም ማዕረ ክንደይ ኣበርኽቶ ክህልዎ ምኸኣሉ ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ይመስለኒ።”

እቲ ሓድሽ ስርዓተ ምርጫ ካብ ዝቕፅል ምርጫ ጀሚሩ ግብራዊ ከምዝኸውን ፕሬዝዳንት ሙላቱ ተሾመ ንፓርላማ ኣብዘስምዕዎ መደረ ሓቢሮም ነይሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG