ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መናብር ፓርላማ ብድምጺ-ውክልና ክኸውን ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያን ተቓወምቱን ተሰማሚዖም-ኣብ ቁጽሪ ሚእታዊ ግን ኣይተሰማምዑን


ስርዓት-ምርጫ ኢትዮጵያ ኻብ`ቲ ዝነበሮ ብስርዓት ዓብላሊ ድምጺ ምዃኑ ተሪፉ ብተመጣጣኒ ናይ ውክልና ስርዓት ዝውሃብ ድምጺ ኽኸውን ምስምማዕ`ውን ናብ ኣሳታፊ ስርዓት ፓርላማ ዝወስድ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት`ዩ- ኢሎም መራሕቲ ተቓወምትን ኣባላት ፓርላማ ነበርን።

ኣስዒቦም፡ ኣብ ፓርላማ ዝተሓዙ መናብር ብውክልና እንተዝኸውን ሓደ ፓርቲ 100% ተዓዊተ ኣይምበለን ይብሉ።

ኣብ`ቲ ኣብ መንጎ ተቓወምትን ኢህወደግን ዝካየድ ዘሎ ልዝብ፡ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግ 15% መናብር ጥራሕ ብስርዓት ውክልና ክኸውን ክደሊ ኸሎ፡ ተቓወምቲ 40% መናብር ብድምጺ ውክልና ክኸውን ይሓቱ`ለዉ።

“ንናይ ምርጫ ስርዓት ምቕያር ንባዕሉ ታሪኻዊ`ዩ። ክሳብ ሎሚ ኢህወደግ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ናይ ዓብላሊ ድምጺ ስርዓት ንሓደ ኣካል ጥራሕ ክጠቅም ዝጸንሐ`ዩ”

ምሉእ ትሕዝትኡ፡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:42 0:00

XS
SM
MD
LG