ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅልውላው ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ እናበኣሰ ይኸይድ ምህላው ናይ ሕ/ሃ ትካል ስደተኛታት ኣፍሊጡ


ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት(UNHCR) ቅልውላው ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ እናበኣሰ ይኸይድ ብምህላው ሚሊዮናት ህዝቢ እታ ሃገር ንዓብዪ ፀገም ከምዝተቓልዑ ገሊፁ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ብዝሒ ካብ ኣባይቶም ይመዛበሉ ዘለው ሰባት ብዕፅፊ ወሲኹ ኣስታት ኣርባዕተ ሚሊዮን ምብፅሑ ትካል ስደተኛታት ሓቢሩ።ኣብቶም ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣስታት 430 ሽሕ ሰባት ከምዝተመዛበሉ ወሲኹ ገሊፁ።ወሃቢ ቃል እቲ ትካል ኣድሪያን ኤድዋርድስ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለው ይብሉ።

“ብግልፂ ንምዝራብ ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ሓደ ካብቶም ምኽንያታት ገይርኻ ምውሳድ ይክኣል፤ግን ኣብ መንጉኡን ኣብ ካልእ ቦታ ንሪኦ ዘለና ምዝንባልን ቀጥታዊ ምትእስሳር እንተሃሊዩዎም ምርግጋፅ ኣይክኣልናን።ዓሌታዊ፣ፖለቲካዊ፣ምምንዛዕ መሬትን ካልኦትን እውን ኣለው።”

ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ካብ ሕዳር 2016 ዓ.ም ናብ ሚያዚያ 2018 ዓ.ም ተናዊሑ’ሎ።ንፕረዝዳንት ጆሴፍ ካቢላ ዝቃወሙ ጉጅለታት ግን ስግኣቶም ይገልፁ ኣለው።

XS
SM
MD
LG