ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣስማት መሰኻኽር ዶ/ር መረራ ጉዲና ንተኸሳሲ ከይወሃብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ወሲኑ


ዶ/ር መረራ ጉዲና - ፋይል
ዶ/ር መረራ ጉዲና - ፋይል

ናይ ኢትዮጵያ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር መረራ ጉዲና ክምስክሩ ናይ ዘቕረቡ ዝርዝር ኣሽማት መሰኻኽር ንተኸሳሲ ከይወሃብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ወሲኑ።ዶ/ር መረራ ድሕሪ ናይ 11 ኣዋርሕ ማእሰርቲ ሎሚ ሶኑይ ንቤት ፍርዲ ፌደራል ጥፍኣተኛ ኣይኮንኩን ኢሎም።

ኣብቲ ሎሚ ዝተጋብአ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር መረራ ጉዲና ዘቕረቦም መሰኻኽር መንነቶም ንተኸሳሲ ምግላፅ ወይ ንዘይምግላፅ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ውሳነ ንምፅባይ ከምዝነበረን በዚ መሰረት ውሳነ ከምዝረኸበን ገሊፁ።

ዓቃቢ ሕጊ ንክምስክሩ ዘቕረቦም ዝርዝር ኣሽማት ንተኸሳሲ ከይወሃብ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ምውሳኑን ምኽንያቱ ድማ ንደሕንነት መሰኻኽር ክብሃል ከምዝኾነን እቲ ቤት ፍርዲ ሓቢሩ’ሎ።

ኣብቲ መዝገብ ካብ ዝተኸሰሱ ብኣካል ቀሪቦም ዝከራኸሩ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ዶ/ር መረራ ጥራሕ እዮም።ንሶም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካብ ዝውዕሉ 11 ኣዋርሕ ንፈለማ ግዜ ናይ እምነት ክሕደት ቃል ክህቡ ተሓቲቶም ‘’ኣነ ጥፍኣተኛ ኣይኮንኩን’’ክብሉ መሊሶም።

ዓቃቢ ሕጊ ምስኦም ዝኸሰሶም ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ፣ጀዋር መሓመድ፣ኢሳትን ናይ ኦሮሞ ሚዲያ ኔት ዎርክን ጉዳዮም ኣብዘየለውሉ ከምዝረአ እቲ ቤት ፍርዲ ሓቢሩ።

ካብ ጠበቓታት ዶ/ር መረራ ጉዲና ሓደ ዝኾኑ ኣቶ ወንድሙ ኢብሳ ዓሚሎም ቅድሚ ሎሚ ይኹን ሎሚ መዓልቲ ንዝተወሰኑ ደቓይቕ ኢዶም ብሸንሸል ተኣሲሮም ከምዝነበሩን ዓሚሎም ካብ ዘለዎም ሕማም ሽኮሪያ ቑስሊ እንተድኣ ፈጢሩ መዘዙ ዝለዓለ ምዃኑ ብምግላፅን መአረሚ ቤት ንዶ/ር መረራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝበፅሑዎም ቁፅሪ ሰባት ዘንበሮ ደረት ክልዓልን ሓቲቶም ኣለው።

ንዝቐረበ ጥርዓን ንምውሳንን መሰኻኽር ጠበቓ ንምስማዕን ቤት ፍርዲ ን24 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG