ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ፕሮቶኮል ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ንፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ ኣሜሪካ ከምዝተረፈ ሓቢሩ


ሓላፊ ፕሮቶኮል ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ባዬ ታደሰ ተፈሪ
ሓላፊ ፕሮቶኮል ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣቶ ባዬ ታደሰ ተፈሪ

ሓላፊ ፕሮቶኮል ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ክሓትት ኣብ ኣሜሪካ ከምዝተረፈ ንቪኦኤ ሓቢሩ።

ኣብ ቤተመንግስቲ ኢትዮጵያ ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ከም ዝሰርሐ ዝገለጸ ኣቶ ባዬ ታደሰ ተፈሪ፡ ናብ`ዚ ናብ ኣመሪካ ዝመጸ፡ ናብ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ምስ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምዃኑ ጠቒሱ`ሎ።

እቲ በዓል-ስልጣን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ክሓትት ዝወሰንክሉ ምኽንያት፡ ኣብ መንግስቲ ኾነ ኣብ ሓይልታት ጸጥትኡ ዝተፈጥረ ዓብይ ምክፍፋል ንዓይ`ውን ኣብ ዘስግእ ደረጃ ስለዘውደቐኒ ኢሉ።

“ ነዚ ዘብቅዓኒ ምኽንያት፡ ኣብ መንግስቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሽግርን፡ ኣብ ልዕለይ ዝተገብረ ምፍርራሕን ንህይወተይ ኣስጋኢ ስለዝኾነ`ዩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝነበረ ሽግርን ሓደሓደ ነገራትን፡ ብኣባላት ጸጥታ፡ ንስኻትኩም ኣብ`ዚ እናሃለኹም፡ ንሕና ኣብኡ ኹናት ነካይድ ኣለና ዝብል ምፍርራሕ በጺሑኒ`ዩ።”

እቲ ሓላፊ ፕሮቶኮል ቀ/ሚ ሃይለማርያም ዝነበረ በዓልስልጣን፡ ሓለፍቲ ጸጥታ ናብ ቤት-ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣትዮም ክጉርጉሩ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን፡ እቲ ምስሕሓብ ይፍጠር ከምዝነበረ ብምግላጽ፡ ንቀ/ሚ ሃይለማርያም፡ ቤት-ጽሕፈቶም ከምዝተጎርጎረ ኣይነግሮምን ኔረ-ምኽንያቱ ኣብ ሓደጋ ከውድቖም ስለዝይደለኹ ኢሉ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:28:30 0:00

XS
SM
MD
LG