ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያን ባህላዊ መራሕቲ ገዳን ኣብ አከባብራ በዓል ኢሬቻ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖም ተገሊጹ


ናይ ኦሮሚያ ክልላዊ መንግስትን ባህላዊ መራሕቲ ገዳን ዝቕፅል ሰንበት መስከረም 21,2010 ዓ.ም ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ቢሾፍቱ ሆራ ኣርሰዲ ኣብ ዝኽበር ባህልን ምስጋናን በዓል ኢሬቻ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጣልቃ ምእታው ክኽበር ተዘራሪቦም ምውሳኖም ተፈሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሎሚ ባዶ ብረት ዝዓጠቑ ናብቲ ህዝቢ ዝእከበሉ ኣይኣትውን እዮም ኢሎም።ኣብ መፈተሺ ኑቕጣታት ፖሊስ ናይቲ ክልል ከምዝዋፈሩን ደሕንነት ህዝቢ ንምሕላው ዳህሳስ ፀጥታ ከምዘካይዱን ግን ሓቢሮም ኣለው።

ናይ ኣባ መጫ ኦሮሞ ኣባ ገዳ ታካላ ዲንሳ እቲ ባህላዊ በዓል ንኣማኢት ዓመታት ይኽበር ከምዝነበረ ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዑን ዝምርቑን እቶም ባህላዊ መራሕቲ /ኣባ ገዳታት/ ጥራሕ ክኸውን ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣብዝተኻየደ ዝርርብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG