ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ንሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ጀምስ ማቲስ ድሕሪ ምቕባሉ ብተወንጫፊ ሮኬት ተጠቒዑ


ሚኒስተር ምክልኻል ጀምስ ማቲስን ላዕለዋይ ኣዛዚ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶን ጀነራል ጀንስ ስቶልተንበርግን ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ኣብ ዝኣተውሉ
ሚኒስተር ምክልኻል ጀምስ ማቲስን ላዕለዋይ ኣዛዚ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኔቶን ጀነራል ጀንስ ስቶልተንበርግን ሎሚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ኣብ ዝኣተውሉ

ሒደት ሰዓታት ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ጀምስ ማቲስ ሎሚ ረቡዕ 27 መስከረም ኣብ ካቡል ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምእታው፤ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ብተወንጨፍቲ ሮኬት ተጠቒዑ።

በቲ ናይ ተወንጫፊ ሮኬት መጥቃዕቲ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ከምዝቖሰሉ ድማ ተፈሊጡ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ካቡል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ሮኬት ሓደ ሰብ ሞይቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:09 0:00

ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ጀምስ ማቲስ ኣመሪካ ሓድሽ ኣርቂቓቶ ዘላ ስትራተጂ ንጉዳይ ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን መዕልቦ ዝገብር ምዃኑ ገሊጾም።

ጣሊባን ነቲ መጥቃዕቲ ሮኬት ከምዝፈነዎ ብምግላጽ ዕላምኡ ንነፋሪት ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ጀምስ ማቲስ ንምህሟኽ ዝዓለመ ምንባሩ ድማ ኣፍሊጡ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዳዕሽ ብወገኑ ሓላፍነት ከምዝወሰደ ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

XS
SM
MD
LG