ተኪአ ታደሰ፡ ኣሜን ክብረኣብ፡ ሰለሙን ወ/ገርግሽ፡ሮቤል መንግስተ ኣብ፡ ኣቤል ሓጎስን ሚልኪያስ ተወልደን ዝተብሃሉ 6 ተመረቕቲ ምህንድስና ኤለክትሪክ ኮለጅ ማይ ነፍሒ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት መዛዘሚ ትምህርቶም 50 ብ 50ስ.ሜ ዓቐንን ኣስታት 7 ኪ.ግ ክብደት ዘለዋ ኣብ ትሕቲ ማይ(ባሕሪ)ንምስኣል እተገልግል ትሕተ ማያዊት ድሮን(ሮቦት)ሰሪሖም ኣለዉ።
እዛ ሮቦት ብዝተገጠመላ ካሜራን ካልእ መሳርሒታትን ተሓጊዛ ኣብ ውሽጢ ማይ ፡ ሰብ ኣብዘይኣትዎ ቦታታትን ጥልቀትን ኣትያ፡ ዘድሊ ሓበሬታን ስእልታትን ብቕልጡፍ ናብ ኮምፕዩተር ክትልእኽ መሳርሒት ከምዝኾነት ማሃዝታ ይገልጹ።
ምሉእ ትሕዝቶ መደብ መንእሰያት ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡