ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ሶማልያ፡ ንሓደ ካብ መራሕቲ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ንኢትዮጵያ ምርካቡ የሰሓሕብ


ONLF LOGO
ONLF LOGO

መንግስቲ ሶማል ነቲ ሰብ ምርካበይ ጸጥታዊ ስግኣት ንምውጋድ ዝተገብረ ሕጋዊ ስጉምቲ`ዩ ክብል ከሎ ብኻልእ ወገን ህዝባዊ ቁጥዐ፡ ግዙፍ ማሕበራዊ ሚዲያ ውግዘት፡ ከምኡ`ውን ኣብ መንጎ`ቲ ብዩ,ኤስ ዝድገፍ መንግስቲ ሶማልን ሃገራውያን ፖሊቲከኛታትን ነቓዕ ፈጢሩ`ሎ።

ትማሊ ረቡዕ፡ መንግስቲ ሶማል በቲ ጉዳይ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ መግለጺ ኣውጺኡ`ሎ፡ ነቲ ምርካብ ዘካየዶ፡ ኣብ 2015 ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ስምምዕ ምዃኑን፡ ኣብ`ቲ እዋን ONLFን ኣልሸባብን ንክልቲአን ሃገራት ዝህውኹ ኣሸበርቲ ኢሎም ከምዝፈለጥዎምን ይገልጽ።

ድሕሪ`ቲ ኣኼባ ካቢነ ኣብ ሞቓዲሾ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃበ ሚንስተር ዜና ዓብዲራሕማን ዖማር ዖስማን፡ ነቲ መግለጺ ናይ መንግስቲ ብንባብ ኣስሚዑ፡

“ እቲ ውልቀሰብ፡ ንጸጥታ ሶማልያ ኣብ ምህዋኽ ዝሳተፍ ዝነበረን፡ ምስ ኣልሸባብ ናይ ቀረባ ርክብ ዝነበሮን`ዩ “ኣተሓሒዙ፡ ክልቲአን ሃገራት ጸጥታዊ፡ ኤኮኖሚያዊን ምትሕብባር ኣለወን ስለዚ እቲ ምርካብ ምኽኑይ`ዩ ኢሉ። እንተኾነ እቲ ሚንስተር፡ እቲ ጉዳይ ተኣፋፊ`ዩ ብዝብል ካብ ጋዚጠኛታት ሕቶ ምቕባል ኣብዩ።

እቲ ስምምዕ ዝተፈረመ ይብል እቲ መግለጺ ካቢነ ሶማልያ ፡ ብሓላፊ ዞባ ጋልሙዱግ ዝነበረን፡ ብሚንስተር ፖስታን ርክብን ዝነበረን ከምኡ`ውን ብምንስተር ፕረሲደንታዊ ጉድያት ዝነበረ ሕጂ ኣባል ባይቶ ዘሎን፡ ከምዝተፈረመ ይገልጽ። እንተኾነ ክልተ ካብ`ቶም ሰለስተ ብምፍራም ዝተጠቕሱ ሰባት፡ ካብ ጉዳይ ነብሶም ከምዘርሓቑ ንቪኦኤ ገሊጾም ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኮነ ብዛዕባ ምርካብ ኣባል ONLF፡ ንፈደራል መንግስቲ ወኪልና ዝገበርናዮ ስምምዕ የለን ኢሎም።

ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ነቲ ስጉምቲ መንግስቲ ሰማልያ ኮኒኒዎ`ሎ-ወሃቢ ቃል-ዓብዱላሂ ሓሰን፡ “ኣብ ሞቓዲሾ ን3ተ ዓመት ዝነበረ ስቕ ኢልካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ምርካብ፡ ብሕቡራት ሃገራት`ውን ከምዝተገልጸ ቅቡል ኣይኮነን። እዚ ተግባር ኣዚዩ ኣጸያፊ`ዩ። ንሰላምን ፍትሕን ክሰርሕ`የ እናበልካ ንሓደ ሰለማዊ ሰብ ንኢትዮጵያ ምርካብ ከም ገበን ኢና ንርእዮ “

ብወገን ኢትዮጵያ፡ ንቪኦኤ ክፍሊ ኣምሓርኛ ዝተዛረበ ሚኒስተር ኮሚኒኬሽን ነገሪ ለንጮ፡ እቲ ምርካብ ሸኽ ሙስ፡ ብምሰረት ኣብ መንጎ መንግስታት ሶማልያን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ስምምዕ`ዩ ተኻይዱ ድሕሪ ምባል “ ናብ ትካላት ጸጥታና ተረኪቡ ዘሎ ሸኽ ሙስ፡ ኣባል ኣሸባሪ ጉጅለ`ዩ “ ኢሉ።

ኣፈኛ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣቶ ዓብደልከድር ሓሰን ሂርሞጌ ሎሚ ንቪኦኤ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል ድማ፡ ኦብነግ ኣሸባሪ ጉጅለ ከምዘይኮነን ኣብ ብዙሓት ናይ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ከምኡ`ውን ማእከላይ ምብራቕ ቤት-ጽሕፈት ዘለዎ ድሂ ምባል ፡ ንኦንብነግ ሽብርተኛ ኢላ ትጽውዕ ኢትዮጵያ ጥራሕ`ያ ኢሉ።

ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፡ ካብ 1970`ታት ኣትሒዙ፡ ንመሰል ርእሰ-ምምሕዳር ኦጋዴን: ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዋጋእ ዘሎ ውድብ`ዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ኣሸባሪ ውድብ ይብሎ።

ONLF Foreign Secretary
ONLF Foreign Secretary

ኣብ 2007፡ እቲ ውድብ፡ ንሓደ ብቻይናውያን ዝውነን ኩባንያ ማዕድን ብምጥቃዕ 65 ኢትዮጵያውያንን 9ተ ቻይናውያን ሰራሕተኛታትን ቀቲሉ`ዩ። እቲ መጥቃዕቲ፡ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣንጻር`ቶም ደባይ ተዋጋእቲ፡ ኣብ`ቲ ዞባ መጥቃዕታ ክተስፍሕ ጌርዋ`ዩ።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

XS
SM
MD
LG