ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእይቶ ህዝቢ ብዛዕባ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብቆልዑነቶም ናብ ኣሜሪካ ዝኣተው መጽለሊ ዝህብ ፕሮግራም ዳካ


ንውሳነ ፕረ. ትራምፕ ብምቕዋም ካብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት
ንውሳነ ፕረ. ትራምፕ ብምቕዋም ካብ ዝተኻየዱ ሰልፍታት

ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ናብ ኣሜሪካ ዝኣተዉ ቆልዑት፡ ኣብ`ዚ ሕልሞም ክውን ንኽገብሩ ዕድል ፈጢርሎም ዝጸንሐ፡ ብፕረዚደንት ኦባማ ዝወጸ ብምሕጻረ ቃል `ዳካ` ተባሂሉ ዝፍልጥ ፕሮግራም ክስረዝ ምኳኑ፡ትማሊ ሶሉስ ፕረዚደንት ትራምፕ ድሕሪ ምውሳኑ፡ ኣብ`ቶም ቆልዑትን ተሓለቕቶምን ሻቕሎት ፈጢሩ`ሎ።

ኣስታት 800 ሽሕ ዝግመቱ እዞም ብዘይ ቪዛ ኾነ መንበሪ ፍቓድ ናብ ኣሜሪካ ዝመጹ ቖልዑ፡ ሕጂ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሽሕ`ኳ ካብ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣሜርካ ዝርከቡ ተረባሕቲ `ቲ ፕሮግራም ምሕጽንታ እንተሃለወ፡ ክስርዞ ወሲኑ`ሎ። ፍሎር ረዪስ ሓደ ካብ`ቶም ግዳያት`ዩ ብዛዕባ’ቲ ውሳነ ድማ ከምዚ ይብል።

“ ሕጂ ንገዛ ኸይደ፡ እቲ ንኣደይ ዝሕግዛ ዝነበርኩ፡ ድሕሪ ደጊም ከምዘይህሉ፡ ከመይ ጌረ ከምዝነግራ ኣይፈልጥን`የ “

ጓል 20 ዓመት ፍሎር፡ ኣዲኣ ንሓሙሽተ ናኣሽቱ ኣሕዋታ ክተዕቢ ትሕግዛ ዘላ`ያ። ኩሎም ኣብ`ዚ ዝተወልዱ`ዮም-ስለዚ ዜጋታት`ዮም ግን ሃንደበት ናታ መጻኢ ዕድል ኣብ ጥርጥር ወዲቑ’ሎ።

እዞም በቲ ምስራዝ ናይቲ ፕሮግራም ዝትንከፉ ዘለዉ ቆልዑ፡ ኣብ`ዚ ዝዓበዩ ኾይኖም፡ ብዙሓት ካብኦም ነዛ ሃገር ከም ዓዶም ክርእይዋ ዝጸንሑ`ዮም።

እዚ ውሳነ ፕረዝደንት ትራምፕ ውጥረት ፈጢሩ`ሎ-ንኣብነት ኣብ ኒው ዮርክ ፊት ንፊት ህንጻ ትራምፕ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ተራእዩ`ዩ። እቲ ውሳነ ሕገ-መንግስታዊ ምኽንያት ኣለዎ። ሕገመንግስቲ ንኣባላት ባይቶ ዝውሃብ ኮይኑ፡ ናይ ፕረዚደንት ስልጣን ነቲ ሕጊ ምፍጻም`ዩ፡ ይብል ደይቭ ረይ ካብ ፈደረሽን ጽገና ኢሚግረሽን ኣሜሪካ።-

“ ፕረዚደንት ትራምፕ ነዞም ሰባት ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክህቦም ኣይክእል`ዩ። ዝኾነ ፕረዚደንት ኣይክእልን`ዩ። እዚ ኪኖ ፕረዚደንታዊ ስልጣን`ዩ። ኦባማ ይፈልጥ`ዩ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ይፈልጥ`ዩ። ስለዚ ኮንግረስ`ዩ ከዐርዮ ዘለዎ። “

ኣብ ካሊፎርንያ ትርከብ ኤርትራዊት ኣሜሪካዊት ኣልማዝ ነጋሽ ፡ Step Up ሲሊከን ቫሌይ ናይ ዝተባህለ ትካል ማነጂንግ ዳይሬክተር`ያ። ብዛዕባ ዳካ ዘለዋ ርእይቶ ብድምጺ ኣሜሪካ ተሓቲታ ከምዚ ትብል።

“ ኣነ ብዛዕባ እቲ ሰብኣዊ መዳይ`ቲ ውሳኔ እየ ክዛረብ። እዞም ሰባት ኣብዚ ዓዲ ተወሊዶም ወይ ዓብዮም ካብዚ ዓዲ ወጻኢ ድማ ዝፈልጥዎ የለን። ስለዚ ካብዚ መንነቶም ክተውጽኦም ከለኻ ብናተይ ርእይቶ ሰብኣዊነት ዘይብሉ እዩ። ኣብ መዳይ ቁጠባ ክንርእዮ ከለና ድማ ኣሜሪካ ዘምሃረቶምን ካልእ ዘድልየም ከተማልኣሎም ዝጸንሓትን እያ። ኣሜሪካ ኣብዞም ሰባት ዓብይ ወፍሪ ኣካይዳ እያ። ስለዚ እዚ ኣብ መዳይ ቁጠባ’ውን ኪሳራ እዩ።እቲ ካልእ ድማ ኣብ ሰብኣዊነት ዝፈጥሮ ስምዒት ፍርሂ እዩ። ስለዚ ባይቶ ኣሜሪካ ንኩሉ ኣብ ግምት ዘእተወ ውሳነ ክሕልፍ ይትምነ።”

ዳይሬክተር ጥምረት ኢሚግራሽን ኔው ዮርክ ስቲቨን ቾይ ብወገኑ፡ ብዛዕባ ትንተና ሕጋውነት ዳካ ዝተቐየረ ነገር የለን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ`ውን መጀመርያ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ እቶም ሰብ-ራእይ ተባሂሎም ዝፍለጡ መንእሰያትን ቆልዑን ቅሰኑ ኢልዎም ኔሩ`ዩ፡ ስለዚ ዝተቐየረ ነገር የለን-ዝተቐየረ ነገር እንተሎ ፖሊቲካ ጥራሕ`ዩ ይብል።

ሕጂ እቲ ፕሮግራም ዳካ ማለት ሓለዋ ናብ ኣሜሪካ ዝመጹ ቆልዑ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ መጋቢት ከብቅዕ`ዩ፡ እቲ ዝተመቓቐለ ኮንግረስ ቅድሚኡ ሓደ ሕጊ እንተዘየውጺኡ- እንተዘይኮነ ግን ዝኾነ ከጋጥም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG