ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ሓዲሽ ናይ መገሻ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ


U.S.DOS
U.S.DOS

ሚንስትሪ-ወጻኢ ኣመሪካ “ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኸጋጥም ዝኽእል ዕግርግርን ብዘይ-ፍርዲ ማእሰርትን “ ዜጋታቱ ናብ`ታ ሃገር እንተድኣ ገይሾም ኸጋጥሞም ብዛዕባ ዝኽእል ሓደጋ ብምጥንቃቕ፡ ነቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 13 2017 ዘውጽኦ ናይ መገሻ መጠንቀቕታ ኣሓዲስዎ`ሎ፡

እቲ ሚንስትሪ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ጎንደርን ባህርዳርን፡ ኣብ ክፋላት ኦሮሚያን ህውከት ከምዝቐጸለ ዝሕብር ሪፖርት ከምዘለዎ`ውን ይጠቅስ።

“ሃንደበታዊ ኩነታት ጸጥታ ኣብ ግምት ብምእታው” ዝበለ ሚንስትሪ ወጻኢ,፡ መንግስቲ ንኢንተርነትን ተለፎናትን ክዓጽዎ ስለዝኽእል ብዝብል ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣመሪካውያን ናይ መራኸቢ ኣማራጽታት ክሕዙ መኺሩ`ሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣመሪካውያን ኣብ ኢትዮጵያ እንተተኣሲሮም፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኢምባሲ ኣመሪካ ኣየፍልጥን`ዩ ክብል`ውን ኣጠንቂቑ`ሎ፡

አሜሪካ በኢትዮጵያ ጉዞ ላይ ማስጠንቀቂያ አወጣች
አሜሪካ በኢትዮጵያ ጉዞ ላይ ማስጠንቀቂያ አወጣች

XS
SM
MD
LG