ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካልያስ፡ ኣብ መንጎ ስደተኛታት ብዝተላዕለ ግጭት 20 ሰባት ቆሲሎም


ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ካልያስ ፈረንሳ ኣብ መንጎ ኣፍጋኒስታናዊያንን ኣፍሪቃዊያንን ስደተኛታትን ብዝተላዕለ ግጭት 20 ሰባት ምቁሳሎም ናይ ፈረንሳ ኣገልግሎት ዜና AFP ሓቢሩ።

እቲ ትማሊ ሶሉስ ወጋሕታ ዝጀመረ ግጭት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ’ውን ቀጺሉ ምውዓሉ ኣብቲ ግጭት አስታት 200 ስደተኛታት ዝተሳተፉ ምኳኖምን ገለ ካብቶም ስደተኛታት በትርን ሓጻውንን ዝሓዙ ምንባሮም ተገሊጹ’ሎ።

ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ኣስታት 20 ሰባት ከምዝቆሰሉ ክገልጽ ከሎ ዓቓቢ ሕጊ ድማ ንሓሙሽተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ሓቢሩ’ሎ።

ካልያስ፡ ኣብ መንጎ ስደተኛታትን ብዝተላዕለ ግጭት 20 ሰባት ቆሲሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:44 0:00

እቲ ግጭት ዝተላዕለ ድራር ብረድኤት ወሃቢ ትካል ኣብ ዝዕደለሉ ዝነበረ ጊዜ ኮይኑ መስተ ዝሰተየ ውልቀ ሰብ ከምዝተጀመረ ተገሊጹ’ሎ።

መዓስከር ስደተኛታት ካልያስ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ዝሰግሩ ስደተኛታት ዘዘውትርዎ መዕቆቢ ምኳኑ ይፍለጥ።

ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢን መንግስቲ ፈረንሳ ከምዚ ኣብታ ወደባዊት ከተማ ዘለው መዓስከራት ከይሰፍሑ ንምኽልኻል እንተፈተኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን እዚ ግን ነቶም ኣብቲ ቦታ ዘለው ስደተኛታት ናይ ንጽህና ኣቑሑት ንምሃብ ምግዳዶም ይገልጹ።

ሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ መንግስቲ ነቶም ስደተኛታት ዝግባእ መጽለሊ ብዘይምሃቡን ዝግባእ ግብረ መስሊ ከምዘይሃበ ብምግላጽ ብተደጋጋሚ ይነቕፉ።

ግጭትን ባእስን ከምኡ’ውን ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ብፖሊስ ዝተታሕዙ ከምልጡ ዝፍትኑ ስደተኛታት ርኡይ ተርእዮ እቲ ከባቢ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ መንጎ ኤርትራዊያን ኢትዮጵያዊያን ብዝተላዕለ ግጭት ብተመሳሳሊ 16 ሰባት ምቁሳሎም AFP ይሕብር።

XS
SM
MD
LG