ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ: ቅድመ-ኹነታዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ሎሚ ክኽተም ትጽቢት ይግበር


ኣብ ሞንጎ መንግስት ሊብያን ተቓዋሚ ጉጅለኡን ሎሚ ሰሉስ ቅድመ-ኹነታዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክኽተም ሎሚ ትጽቢት ይግበር።

እዚ ብሞንጎኝነት ሓድሽ መራሒ ፈረንሳ ኢማኑኤል ማርኮኒ ተሸምጊሉ ክኽተም ትጽቢት ተገይሩሉ ዘሎ ተኹሲ ናይ ምቁራጽ ስምምዕ: ኣብ ሞንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ፈይዝ ኣል ስራጅን ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ዝርከብ ተቓዋሚኡ ኮማንደር ከሊፋ ሃፍታር ምዃኑ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ኮማንደር ከሊፋ ሃፍታር (የማን) ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማርኮኒ (ማእከል) ከምኡውን ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ፈይዝ ኣል ስራጅን (ጸጋም)
ኮማንደር ከሊፋ ሃፍታር (የማን) ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማርኮኒ (ማእከል) ከምኡውን ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ፈይዝ ኣል ስራጅን (ጸጋም)

እቲ ድፊ ስምምዕ ብዘይካ ኣብ ኩነታት መኸተ ግብረ-ሽበራ:ዝኾነ ወተሃደራዊ ሓይሊ ዘይምጥቃም ዝብል ትሕዝቶ ከምዘለዎ ድማ ተገሊጹ።

ብዘይካዚ እቲ ንድፊ ስምምዕ ክልቲኦም ወገናት ብዝቐልጠፈ ኣብታ ሃገር ምርጫ ንከካይዱ ዘዘኻኽር ቅድመኹነት ኣቐሚጡ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG