ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቂሐ-ጽልሚ፡ ብዛዕባ ኩዕታ ታሪኽ ጥንታዊት ወደብ ኣዱልስን ወግዒ ባህልታትን


Adulis excavation
Adulis excavation

ኣብ ካልኣይ መዋእል ልደተ-ክርስቶስ ከምዝተሃንጸት ዝእመነላ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ፡ ክሳብ 7ይ ክፍለ-ዘመን ካብ ዝነበራ ዝዓበያ ወደባት ዓለምና ሓንቲ ምንባራ ታሪኽ ይምስክር። እታ ካብ ወደብ ባጽዕ ከባቢ 55 ኪ.ሜ፡ ካብ ሓውሲ ከተማ ፎሮ ድማ 6 ኪ.ሚ ርሕቓ ትርከብ ወደብ ዓሰብ፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ዓለም-ለኻውን ኣህጉራውን ጉዕታ ይግበረላ`ሎ።

እቲ ስነ-ምድራዊ መጽናዕቲ ነታ ዝበዝሐ ክፋላ ትሕቲ ምድሪ ተቐቢሩ ከምዘላ ዝእመነላ ወደብ፡ ሓቀኛ ምስላን ታሪኻን፡ ከምኡ`ውን ኣብ ዓለም ዝነበራ ተራን ሓይልን ከርኢ ትጽቢት ይግበረሉ ይብሉ ኤርትራውያን ተመራመርቲ ስነ-ምድሪ።

ብዛይካ ብዛዕባ ወደብ ኣዱሊስ፡ ካልእ ኣብ ናይ ሎሚ ዓርቢ መደብ ቂሐ-ጽልሚ ዝቐረበ ትሕዝቶ፡ ምስ ንጡፍ ስነ-ጥበባዊ መሓሪ ዑቕባሚካኤል(ጠዊል) ዝተገብረ ቃለ-መጠይቕ `ዩ። ንኽልቲኡ ትሕዝቶታት ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

XS
SM
MD
LG