ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠንቂ ባርዕ ህንጻ ከተማ ሎንዶን ንምፍላጥ ገበናዊ ምርመራ ተጀሚሩ


ፖሊስ ለንደን ናይቲ ዛጊት 30 ሰባት ከምዝቐተለ ዝተገልጸ ኣብ ህንጻ ግረንፈል ከተማ ሎንዶን ዘጋጠመ ኣሰቃቒ ባርዕ ገበናዊ ፍጻመ ከይከውን ምርመራ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

ዘ ሳን ዝተባህለ ሓደ ጋዜጣ ብሪጣን ያ ሎሚ ዓርቢ 16 ሰነ ንንባብ ኣብ ዘብቅዖ ጽሑፉ 65 ዝበጽሑ ሰባት ደሃዮም ከምዘይተረኽበን ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጡ። ስትዋርት ካንዲ ዝተባህለ ኣዛዚ ፖሊስ ለንደን ብወገኑ: ብዛዕባዚ ተሓቲቱ "ሰለስተ ዕጽፊ ከይበጽሕ ጥራይ እዩ ስግኣተይ" ክብል ነታ ጋዜጣ ገሊጹ። ሓያሎ ጋዜጣታት ብሪጣንያ ብዛዕባ ኣተሃናጻን ኣተሓዳድሳን ናይቲ ህንጻ ብዝምልከት ዘይተመለሱ ሕቶታት ብምጥቃስ ወቐሳታተን ናብ መንግስቲ ኣቕኒዐን ይርከባ።

ጠንቂ ባርዕ ህንጻ ከተማ ሎንዶን ንምፍላጥ ገበናዊ ምርመራ ተጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:04 0:00

ምስዚ ብዝተኣሳሰረ: ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ: ናይ ፈለማ ግዳይ ናይቲ ኣብ ህንጻ ግረንፈል ዘጋጠመ ባርዕ: ሶርያዊ ስደተኛ መሓመድ ኣል ሓጀሊ ምዃኑ ተለልዩ'ሎ። ንሱ ካብ መበል 14 ደርቢ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ: በቲ ባርዕ ተኸርዲኑ ከምዝሞተ ምስኡ ዝነበረ ሓው ንማዕከናት ዜና ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ: ናይ ብሪጣንያ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ካብቲ ሓደጋ ንዝደሓኑ: ወለተኛታትን ወሃብቲ ቀዳማይ ረድኤትን ኣብ ዝርከቡሉ ቦታ ምብጽሐን ተሓቢሩ።

ኣብ ሓደ ንግዳያት ሓገዝ ዝህብ ማእከል ወለንታዊ ኣገልግሎት ካብ ዝህቡ ኤርትራዊ ዓብዱልራሕማን ስዒድ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ከምዚ ይብል።

ጠንቂ ባርዕ ህንጻ ከተማ ሎንዶን ንምፍላጥ ገበናዊ ምርመራ ተጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:53 0:00

XS
SM
MD
LG