ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ)


ኣሕመድ ኣሕመድ
ኣሕመድ ኣሕመድ

ግጥማት ጽዋዕ ኣፍሪቃ ኣብ መፋርቕ ዓመት ንክካየድ ተቃውሞ የብለይን ኢሎም ሓድሽ ፕረዚደንት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ)።

ምስ ቪኦኤ ቃለ ምልልስ ዝገበሩ ኣሕመድ ኣሕመድ ‘ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ፣ ምስ ጠለባት ኣባል ሃገራት ዝቃዶ ክኾን ይግባእ’ ኢሎም።

‘መብዛሕተአን ሃገራት፣ እዋን ውድድር ክቕየር ኣለዎ ባሃልቲ እንተኾነን፣ ብኣይ ወገን ጸገም የለን፣ መብዛሕተአን ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ፣ ብሰንኪ ከቢድ ዝናብ ኣብ ጥሪ ወይ ለካቲት ግጥማት ከተኣናግዳ ኣይኽእላን’ ኢሎም።

ኣህጉራዊ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ መብዛሕትኡ ጊዜ ኣብ’ዘን ዝተጠቕሳ ኣዋርሕ’ዩ ዝሳለጥ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ ‘ክልተ ጊዜ ክምረጽ ይደልይ ይኸውን፣ ልዕሊ ክልተ ጊዜ ነቲ ኣህጉራዊ ፌደረሽን ናይ ምምራሕ ድልየት ግና የብለይን’ ኢሎም ኣሕመድ ኣሕመድ።

ብዘይካ’ዚ ‘ዕድመ ፕረዚደንት ካፍ ገደብ ክግበረሉ ይግባእ’ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG