ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕጹያት ተወዳደርቲ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ድምጾም ሂቦም


ኣሜሪካዊያን ዝቕጽል ፕረዝደንቶም ንምምራፅ ሎሚ መዓልቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ድምፆም ይህቡ ኣለው።

ኣብ መንጎ ዴሞክራሲያዊት ሂላሪ ክሊንተንን ሪፓብሊካዊ ዶናልድ ትራምፕን ዝተኻየደ ነዊሕን ርሱንን ወፍሪ መዕለቢ ዝረኽበሉ ዕለት እዩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝነበራ ሂላሪ ክሊንተን እንተተዓዊተን ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዝዳንት ንምዃን ብብዓል ቤተን ቢል ክሊንተን ተዓጂበን ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ንባዕለን ድምፂ ሂበን ኣለዋ።ኣብቲ ህሞት ከምዚ ኢለን።

"ኣዚዩ ዝለዓለ ስምዒት ይፈጥረልካ።ምስኡ ዝመፅእ ሓላፍነት ክንደይ ምዃኑ ስለዝርዳእ እዩ።ንሃገርና ዘለዎ ረብሓ ዝለዓለ ስለዝኾነ ብዙሓት ሰባት ንውፅኢት ምርጫ ብሃንቀውታ ይፅበዩዎ።ዕድለኛ ኮይነ ሎሚ መዓልቲ እንተድኣ ተዓዊተ ብዝበለፀ ክሰርሕ እየ።"

ደፋር ተዛራባይ ዲታ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ብዓልቲ ቤቶም መሊና ትራምፕ ብምዃን ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ድምፆም ክህቡ ከለው ኣብ ውፅኢት ስግኣት እንተለዎም ተሓቲቶም።

"ኣይድንግፅን እየ።ሕጉስ እዩ።ዓብዪ ዕድል እዩ።ካብ ኩሉ ወገን ዓብዪ ምልዕዓል ኣሎ።እቲ ታሕጓስ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ መላእ ዓለም ኢኻ ትሪኦ"ኢሎም።

ተዓዋታይ ንፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ተኪኣ ወይ ተኪኡ መበል 45 ፕረዝዳንት ኣሜሪካ ክኸውን እዩ።

XS
SM
MD
LG