ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ርሱን ምይይጥ ጌርና `ለና ` ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ


U.S. Assistant Secretary of State for African Affairs Linda Thomas-Greenfield, right, accompanied by USAID Assistant Administrator for Bureau for Democracy Conflict and Humanitarian Assistance Nancy Lindborg, testifies on Capitol Hill, Jan. 9, 2014, befo

ኣብ ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ሓላፊት ጉዳይ ኣፍሪቃ ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቐጸሉ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታትን፡ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምትታትን ንኣመሪካ ኣሻቒልዋ`ሎ ኢላ። “መንግስቲ ብዜጋታቱ ንዝቐርብ ሕቶታትን ስግኣታትን ምላሽ ክህብ ኣተባቢዕና`ለና”። እታ ምኽትል ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ፡ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ናብ ጥፍኣት ከየምርሕ ትሻቐል።

ኣመሪካ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ሰናይ ምሕደራን መሰል ዜጋታትን ሰፊሕ ኣፈላላይ እንተለዋ`ኳ፡ እንድሕር ዘይንሰማማዕ ኾይና፡ ንፈላለ ዝዓይነቱ ፓሊሲ ምኽታል ግን፡ ንማንም ዝጠቅም ኣይኮነን ትብል። “ ምሉእ ንምሉእ ምፍልላይን ምስ መንግስቲ ዘየዘራርበና ፖሊሲ ምሓዝን፡ ኣብ ዘብጽሓና የብሉን። ምስ መንግስቲ ብምዝርራብ ኢና ነቶም ጸገማት ምምሕያሽ ክንፈጥረሎም ንኽእል”።

ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብዓመታዊ ጸብጻባት ሚንስትሪ ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስን ኣዚዩ ዝሓመቐ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ።

ዳርጋ ቅድሚ ዓመት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝጀመረ ህዝባዊ ተቓውሞ፡ ኣብ`ዚ ዓመት`ዚ ኣብ ሰሜናዊ ክልል ኣምሓራ ምቕጻሉ ይፍለጥ።

ቪኦኤ ምስ ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ ናይ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ጽሟቕ፡ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

XS
SM
MD
LG