ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳናይት ዮውሃንስ፡ ዓይኒ ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ትስሕብ


Danait Yohannes
Danait Yohannes

መንእሰይ ድምጻዊት ዳናይት ዮውሃንስ ዛጊድ ሓንቲ ነጸላ ደርፊ`ያ ናብ ህዝቢ ዘርጊሓ። እታ ሓንቲ ግን ኣብ ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ማዕበል ኣበጊሳ። ኣብ ዩትዩብ ምስ ተዘርገሐት ኣብ ሓደ ሰሙን ዘይመልእ ልዕሊ ሚእቲ ሽሕ በጻሕቲ ዝረኸበት " እኽልቲ`የ " ትብል ዜማኣ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ልዕሊ ክልተ ሚልዮንን ፈረቓን በጻሕቲ ረኺባ ብምርካብ ገና ትቕጽል ዘላ`ያ።

ዳናይት ጓል ነባር ስነ-ጥበባዊ ዮውሃንስ እስቲፋኖስ ኮይና፡ ሓፍቲ ህብብቲ ድምጻዊት ሰምሃር ዮውሃንስ ምዃና`ውን ይፍለጥ።

Danait Yohannes
Danait Yohannes

ዳናይት ዮውሃንስ፡ ብትምህርታ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዝተመረቐትን፡ ናብ ሞያ ስድራኣ ዝኾነ ሙዚቃ ዘንቢላ ዘላን መንእሰይ`ያ።

ጋሻ ድምጺ ኣመሪካ ኮይና ውዒላ`ላ-ስምዕዋ

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:19 0:00

XS
SM
MD
LG