ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮምሽነር ኮምሽን ስደተኛታት ኣብ ኡጋንዳ ኣትዮም


ፍሊፖ ግራዲ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ
ፍሊፖ ግራዲ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ

ኮምሽነር ላዕለዋይ ኮምሽን ስደተኛታት ፍሊፖ ግራንዲ፣ ንዝተጻበበ መዓስከር ስደተኛታት ኡጋንዳ ተዓዚቦም። ኣብ ደቡብ ሱዳን ቅድሚ ክልተ ወርሒ ግጭት ካብ ዝውላዕ ንዳሓር ልዕሊ 90 ሽሕ ደቡባዊያን ኣብ ኡጋንዳ ኣዕቁቦም ኣለው።

ኣብ’ቲ ካምፕ ዝኣተው ፍሊፖ ግራንዲ ብወገኖም ‘መንግስቲ ኡጋንዳ ንስደተኛታት ምግያሹ ብምንኣድ፣ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ድማ ግቡኡ ንክፍጽም ተማሕጺኖም፣

ከሕልፎ ዝደሊ መጠንቀቂ፣ ጸጋታት እንተዘየዋፊርና፣ ዋሕዚ ስደተኛታት እንተቀጺሉ፣ እዚ ኩነታት ንምቁጽጻርን መልሰ ግብሪ ንምሃብን ኣብ ዘይንኽእለሉ ብርኪ ክንበጽሕ ኢና ዝብል’ዩ’ ኢሎም።

ኡጋንዳ ንኣስታት 570 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ኮንጎ፣ ቡሩንዲን ደቡብ ሱዳንን ኣዕቁባ’ላ። ግጭት ደቡብ ሱዳን እንተኾነ መዓስ ከምዘብቅዕ ዝፍለጥ ኣይኮነን።

XS
SM
MD
LG