ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ስነ-ጥበባውያን ኣብርሃም ገብረመድህንን ኤፍረም በላይን ብዛዕባ መሰል ዋንነት ንብረትን፡ ሓቢርካ ምስራሕን ይመያየጡ


ብኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ስነ-ጥበባውያን ዝፈርዩ ስርሓት፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ፡ ሕጊ መሰል-ዋንነት-ንብረት ዘይ-ምኽባርን፡ ናይ ዕዳጋ ጸገማትን፡ የጋጥሞም ከምዘሎ ብተደጋጋሚ መረረት ይስማዕ።

እቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ተጻባኣይ ኩነታት`ውን ነቲ ዝተጠቕሰ ጸገማት ዝያዳ ዕድል ዝኸፈተሉ ይመስል።

ኣብ`ዚ ኣርእስቲ`ዚ ሓሳብ ክለዋወጡ፡ ተወልደ ወ/ገ፡ ንኽልተ ስነ-ጥበባውያን ዓዲሙ`ሎ። ኣብርሃም ገብረመድህን ካብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኤፍረም በላይ ድማ ካብ ሆላንድ`ዮም። ኣብርሃም ገብረመድህን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዜማታት ትግርኛ ከምዘበራበረ ክግለጽ ከሎ፡ ኤፍረም በላይ፡ በታ ዝደገማ ተጋይሸ ትብል ደርፍን ብኻልኦት ናቱ ዝኾና ሓደስትን ይፍለጥ፡ ናብ`ቲ ፕሮግራም ንሕለፍ፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:14:30 0:00

XS
SM
MD
LG