ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኤርትራ ሓይልታቱ ንልዕሊ 200 ወታደራት ኢትዮጵያ ቀቲሎም ንካልኦት ልዕሊ 300 ከምዘቑሰሉ ገሊጹ


መንግስቲ ኤርትራ ሓይልታቱ ኣብቲ ብሰንበት ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ውግእ ንልዕሊ 200 ወታደራት ኢትዮጵያ ቀቲሎም ንልዕሊ 300 ድማ ኣቑሲሎም ክብል ገሊፁ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ሎሚ ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ መግለፂ ንቡር ኩነታት ኣብ ምንስሓብን ምብትታንን ዘሎ ሰራዊት ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ኣይፈልጥን እዩ ክብል መሊሱ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ኩነታት ዝወረዳ ጉድኣት ካብ ምግላጽ ተቖጢባላ።

ምንያ ኣፈወርቂ ሄኖክ ሰማእግዝሄርን መግለጺ መንግስቲ ኤርትራን ተሞርኲሳ ዘዳለወቶ ጸብጻብ ኣብ ታሕቲ ይርከብ።

XS
SM
MD
LG