ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ ምስፍሕፋሕ ትምህርቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣድሂባ ትሰርሕ


ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ኣባላታን ደገፍታን ከምኡ'ውን ምስ ዓለምለኸ ትካላት ልምዓታዊ ተራድኦ ብምዃን ኣብ 27 ዓመታት ብርክት ዝበሉ ውራያት ልምዓት ኣመዝጊባ እያ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ቀንዲ ጠመተ እታ ማሕበር "ምስፍሕፋሕ ትምህርቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን" ኰይኑ'ሎ ይብሉ ፈፃሚ ዳይረክተር እታ ማሕበር ዶክተር ታደለ ሓጐስ።

ፈፃሚ ዳይረክተር እታ ማሕበር ዶክተር ታደለ ሓጐስ ሎሚ መዓልቲ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ክሳብ 650 ቀዳማይ ብርክን 37 ካልኣይ ብርክን ኣብያተ ትምህርቲ ሃኒፃ እያ።

ከምኡ እውን 2 ሆስፒታል፣ 5 ጣብያታት ጥዕናን 74 ክልኒካትን እውን ሃኒፃ ንኣገልግሎት ኣብቂዓ እያ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ኣብ ምስፍሕፋሕ ትምህርቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ጠመተ ብምሃብ ትሰርሕ ስለዘላ ኣብዚ ድማ ብዙሓት ክማልኡ ዝግበኦም ሳይንሳዊ ናውቲ ስለዘለዉ ትግራዋይ ሎሚ ዝእውን ከም ቀደሙ ሓድነቱ ከጠንክር ዶክተር ታደለ ፀዊዖም።

XS
SM
MD
LG