ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ጸጥታ ሶማል መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ቀቲሎም ይብሉ ሰበ-ስልጣን


ሆቴል ኣምባሳደር- ሞቃዲሾ
ሆቴል ኣምባሳደር- ሞቃዲሾ

ሓይልታት ጸጥታ ሶማል ነቶም ትማሊ ኣብ ህቡብ ሆቴል ሞቃዲሾ መጥቓዕቲ ፈጺሞም 24 ሰባት ዝቐተሉ ዕጡቓት ቀቲሎሞም ክብሉ ሰበ-ስልጣን’ታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ሚኒስትር ጸጥታ ሶማል ዓብደልራዛቕ ዑማር መሓመድ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ሰለስተ ዕጡቓት ኣብ እዋንቲ ኣብ ኣምባሳደር ሆቴል ትማሊ ዝተኻየደ ምትኳስ ቀቲሎሞምዮም ብእኦም ንዝተታሓዙ 57 ሰባትውን ለይቲ ኣድሒኖሞዮም ኢሎም።

እቲ መጥቓዕቲ ረቡዕ ለይቲ ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ቦምብ ጀሚሩ ድሕሪኡ ዕጡቃት ናብቲ ሆቴል ብምእታው ኣብ ልዕሊ ኣጋይሽ ተኹሲ ከፊቶም ብውሑዱ 17 ሰባት ካብኦም 12 ሰላማዊያን ሰባት 3 ሓለውቲ ጸጥታ 2 ኣባላት ፓርላማ ቀቲሎም። በቲ ሓደጋ ቆሲሎም ሆስፒታል ካብ ዝተለአኹ ኸአ ድሒሮም 3 ሰባት ሞይቶም ኢሎም።

ጉጅለ ግብረ ሽበራ ኣል-ሸባብ ሓላፍነትቲ መጥቓዕቲ ወሲዱሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሓይልታት ጸጥታ ሶማል መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ቀቲሎም ይብሉ ሰበ-ስልጣን
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:28 0:00

XS
SM
MD
LG