ሄርሞን ባራኺ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሙዚቃ ትግርኛ ዘይተለመደን ዝተፈላለዩ ዘበናዊ ቅድታት ሙዚቃ ዘካተተ ምሉእ ካሴት ኣሰናዲኣ ናብ ህዝቢ ኣቕሪባ'ላ።
ናይ ሄርሞን ፈላመይቲ 'ኣልበም' ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ፕላኔት ሆቴል ብልዑል ድምቀት ተመሪቓ፤ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሓ ኣላ።
ድምፃዊት ሄርሞን ዛጊድ ንዝቐረበላ ምትብባዕ ኣመስጊና ካብዚ ንላዕሊ ሰሪሓ ደገፍታ ክተሐጉስ ከምእትደልይ ገሊፃ `ላ።
ካልእ ትሕዝቶ ቂሔ-ጽልሚ ድማ ናይ ኣስመራ ወኪል ቪኦኤ ብርሃነ በርሀ፡ ብዛዕባ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ብወጻእተኛታትን ብደቂ ሃገርን ዝቐረበ ሙዚቃዊ ምርኢታት ሓጺር ልኢኹ`ሎ።
ምሉእ መደብ ቂሔ ጽልሚ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡