ካቶሊካዊ ሊቀ-ጳጳስ ኤርትራ ኣቡነ መንግስተኣብ ተስፋማርያም፡ ብምኽንያት በዓለ-ፋሲካ 2016፡ ናብ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብሩ ኣመንቲ ክርስትና ቡራኬ ኣመሓላሊፎም።
ሊቀ-ጳጳስ መንግስተኣብ ኣብ`ቲ ብመስመር ድምጺ ኣመሪካ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ ትርጉምን ርዝነትን ፋሲካ ድሕሪ ምብራህ፡ ንኹሎም ኣህዛብ ሰናይ ትምኒቶም ገሊጾም። ካልኦት ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ`ዚ ኣብ ኣመሪካን ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት`ውን ተመሳሳሊ መልእኽቶም ናብ ምእመናንን ውሉደ ክህነትን ኣሕሊፎም ኣለዉ።
ንቃል-ቡራከ`ቶም ሊቀ-ጳጳስ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡