ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቅልውላው ሰናይ ምምሕዳር፡ ግፍዕታት ኣሸበርቲን ዓፈናታት ሲቪል ማሕበረሰባት ቀንዲ ጸገማት ሰብአዊ መሰላት ኔሮም ይብል ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣሜሪካ


ፋይል - ምክትል ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንዲሞክራሲ፡ሰብኣዊ መሰላትን ዕዮን ቶም ማሎኖስኪ
ፋይል - ምክትል ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ንዲሞክራሲ፡ሰብኣዊ መሰላትን ዕዮን ቶም ማሎኖስኪ

ቅልውላው ሰናይ ምምሕዳር፣ብኣሸበርቲ ዝፈጸሙ ግፍዕታትን ብሰበስልጣን ኣብ ልዕሊ ሲቪል ማሕበረሰባት ዝፍጸሙ ዓፈናታትን ኣብ ዓለም ቀንዲ ሽግራት ነይሮም ይብል ጸብጻብ 2015 ትካል ሰብኣዊ መሰላት ኣሜሪካ ። እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ምልክታት ምምሕያሽ ዘርኣያ ሃገራት እውን ጠቒሱ’ሎ።

ዳዕሽ ኣብ ልዕሊ ውሑዳን ሶሪያዊያንን ዒራቓዊያንን ዝፈጸሞ ወፍሪ ምጽናት ዘርኢ፣ኣብ ኣውሮጳን ማእኸላይ ምብራቕን ዘጋጠመ ናይ ስደተኛታትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ ልዕሊ ጉጅለታት ሲቪል ማሕበረሰብን ዘጋጥሙ ምክልባትን ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ንሰብኣዊ መሰላት ጸገም ዝፈጠሩ ፍጻመታት ነይሮም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ጆን ኬሪ ዘሰንብዱ ንዝበሉዎም ኩነታት ብዝምልከት ከምዚ ይብሉ።

‘ኣብ 2015 ዓ.ም.ፈ ብስፍሓትን ብዝሕን መግሃስትታት ዝተጸመሉ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ነይሩ።ግብረሽበራን ግጭት ሶሪያን ብሓባር ማእለያ ዘይብሎም ስቕያት ኣስዒቦም እዮም።’

እቲ ጸብጻብ ኣብ ኣፍሪካ ብጥሩፋት ጉጅለታት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግፍዒን ጭካነን ጠቒሱ’ሎ።ቦኮ ሓራምን ኣል-ሸባብን ንዝኣመሰሉ ጉጅለታት ንምምካት እቲ ፍታሕ ምርግጋጽ ሰናይ ምሕደራ እዩ ይብል።

እቲ ጸብጻብ ናይ ቻይና፣ቱርኪ፣ሩሲያ፣ኢራንን ኩባን ዝኣመሰሉ መንግስታት ንመራኸቢ ብዙሃን፤ንሲቪል ማሕበረሰብን ነቐፍትን ብምፍርራሕን ዒላማ ብምግባርን ይኸሶም ።

ጆን ኬሪ ዋላ’ዃ ገና ዝተርፉ ነገራት እንተሃለው’ዃ ጽቡቕ ምዕባለ ዝተርኣየለን ሃገራት ንዝበሉወን ቱኒዚያ፣ናይጀሪያ፣ስሪላንካን በርማን ጠቒሶም ኣለው።

እዚ ጸብጻብ እዚ ዋሽንግተን ናይ ወጻኢ ሓገዝ ፖሊሲኣ ኣብ ምውሳን ክሕግዝ እዩ ክብሉ ኣብ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ተሓሓጋዚ ሚኒስትር ቶም ማሊኖውስኪ ገሊጾም ኣለው። ብተወሳኺ ንሶም ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ጃምላዊ መግሃስቲ ንዝፍጸሙ ብጉጅለ ይኹኑ ብውልቀሰብ ሓገዝ ኣይንህብን ኢና ኢሎም።

ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ብዙሕ ቦታ ክውሃቦ ኣለዎ ይብሉ ገለ ተዓዘብትን ተሓለቕቲ መሰላትን።

ኮንግረስ ብዝሃቦ ስልጣን መንግስቲ ኣሜሪካ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ዓለም ከውጽእ እዚ ናይ ሎሚ መበል 40 ዓመት እዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG