ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ 4ተ ምሩኻት ጅቡቲ ኣፋንያ


ካብ ጁቡቲ ተሰሚዑ፡ ባን ኪ ሙን ኣረጋጊጾም፡ ካብ ኤርትራ ዝተሰምዐ የለን

በመሰረት ብቐጠር ዝተገብረ ሽምግልና፡ ኤርትራ 4ተ ምሩኻት ከምዝፈነወት፡ ሰበ-ስልጣን ጅቡቲ ንቪኦኤ ነጊሮም።

ካልኦት ዝተረፉ ምሩዃት እንተሊዮም ወይ ጅቡቲ ንባዕላ ትፍንዎም ምሩኻት ኤርትራ`ውን እንተሊዮም፡ ንግዚኡ መብርሂ ክህቡ ኣይደለዩን።

ኣብ`ዚ ሰሙን`ዚ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ቐጠር በጺሖም ኔሮም፡ ቅድሚ 2ተ ሰሙን ድማ ናይ ጅቡቲ ፕረሲደንት ሓሰን ገለህ።

ምፍናው ምሩኻት፡ ሓደ ካብ ነጥብታት ሽምግልና ጅቡቲ ምንባሩ ይፍለጥ።

ድሕሪ ፈነወ ሰዓት ዝመጸ ሓበረታ፡

ዋና-ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ባን ኪ ሙን ብዛዕባ`ቲ ምፍታሕ ከምዝተሓበሩን፡ ንሽምግልና ቐጠርን፡ ኤርትራ ነቶም ምሩኻት ጅቡቲ ብምፍትሓን ከመዘመጎሱን፡ ወሃቢ-ቓሎም ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ ሓዲሽ ተርእዮ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዘሎ ጉዳይ ኣብ ምርኣይን፡ ኣብ`ቲ ዞባ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምህናጽን ክሕግዝ ተስፋ እገብር ኢሎም ባን ኪ ሙን።

XS
SM
MD
LG