ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ጠቐነ ጌታቸው ረዳ፡ ኣንፈት ህዝባዊ ናዕቢ ንምስሓት ዝግበር ፈተነ`ዩ` ተቓወምቲ


በቲ ናዕቢ ዛጊድ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ፡ ኣህጉራውያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ከባብታት ኦሮሚያ ዝካየድ ህዝባዊ ተቓውሞ 3ተ ወርሑ ዘሕለፈ ክኸውን ከሎ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ዝተራእየ ብተኹሲ ዝተዓጀበ ግጭት ግን ዝሓየለ ምንባሩ ኩሎም ወገናት ይገልጹ። ኣብ`ቲ ግጭት 7ተ ኣባላት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ መንግስቲ ክገልጽ ከሎ፡ ብወገን ምንቅስቓስ ተቓውሞ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ይገልጹ።

ብዛዕብኡ መግለጺ ዝሃቡ ሚንስተር ኮሚኒኬሽን ጌታቸው ረዳ፡ ካብ ኣስመራ ዝተላእኩ ኣባላት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፡ ኣርበኞች -ግንቦት 7ተ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ብሕጋዊ መንገዲ ዝቃለስ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፡ ኣብ ምልዕዓል`ቲ ናዕቢ ኢድ ከምዘለዎም ከሲሶም።

ነዚ ምላሽ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ኦነግ ኣቶ ቶለራ ኣደባ፡ “ ቅድሚ ሎሚ ዝኾነ ዓይነት ተቓውሞ ከጋጥም ከሎ ከምኡ ስለዝብሉ፡ ክሳብ ሎም ስለምንታይ ከምዝደንጎዩ`ውን ኣይተረደኣናን “ ድሕሪ ምባል ፡ ስበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ነቲ ሕቶ መሰል ዝህብዎ ምላሽ እናለዋወጥዎ ከምዝጸንሑን፡ ሎሚ ግን ህዝቢ ነቲ በደል ክሽከሞ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ምስ ከደ ናብ ኦነግን ምስ ካልኦትን የሳብብዎ`ለዉ ኢሉ።

ኣብ`ቲ ክሲ ዝተጠቕሰ ግንቦት 7ተ ብወገኑ ብሓላፊ ጉዳይ ወጻኢኡ ኣቶ ንኣምን ዘለቀ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ እቲ ዝተለምደ ናይ ወያነ ባህርይ `ዩ “ ብምባል “ኣብ ልዕሊ ህዝቢ መንግስታዊ ሽበራ የውርድ ኣሎ” ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ ኣርበኞች ግንቦት 7 ፡ “ነዚ ስርዓት ንምውጋድ፡ ኣብ ጎኒ ኦሮሞ ህዝብና ኾይኑ ክቃለስ`ዩ” ኢሉ።

በቲ ናዕቢ ዛጊድ ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝሞቱ፡ ኣህጉራውያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ተወሳኺ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:48 0:00

XS
SM
MD
LG