ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ኮኸብ ስነ-ጥበብ ወዲቓ`


Artist Weinihareg Haile -Beki
Artist Weinihareg Haile -Beki

` ኮኸብ ወዲቓ `

ኮኸብ ተዋሳኢት ወይኒሃረግ ሃይለ(በኪ) ናብ ሎሚ ሰሉስ ዘውግሕ ኣብ ሱዳን ዓሪፋ። ኣስከረና ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ኣስመራ መዓርፎ ነፈርቲ ክኣቱ ህዝቢ ይጽበዮ`ሎ።

በኪ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንሕክምና ምምልልሳስ ካብ ትጅምር ልዕሊ ዓመት እንተኾና`ኳ፡ ኣብ ዘዝሓሻ ግዜ ናብ ኣስመራ ኣብ ትመላለሰሉ ዝነበረት እዋን፡ ብፍላይ ኣብ`ታ `ስድራ` ትብል ትምህርታዊት ድራማ ምውሳኣ ኣየቋረጸትን።

ብዛዕባ ታሪኽ ህይወትን ዕረፍትን ወይኒሃረግ ኣብ ቀጻሊ ክነቕርብ ኢና

XS
SM
MD
LG