ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኤርትራ ባጤራ ድሕሪ ምቕያሩ ኣብ ዕዳጋታት እንታይ ተርእዮ ፈጢሩ?


Dr. Tesfamariam Mehari
Dr. Tesfamariam Mehari

ንምዃኑ ንምጉዳል ዝቕባበ ግንዘብ ዝድረኽ እንታይ`ዩ

ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ዝነብር ምሁር ስነ-ቑጠባ ዶ/ር ተስፋይ መሓሪ፡ ስለምንታይ ኣብ ኤርትራ ዋጋ ዕዳጋታት ከምዝጎደለ ክትንትን ከሎ፡ ዋጋ ዝጎድል ወይ ቀረብ ክበዝሕ ከሎ ወይ ከኣ ኣብ ዑደት ዝርከብ ገንዘብ ክውሕድ ከሎ ምዃኑ ይጠቅስ። ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ዘይልሙድ ዝኾነ ወሰኽ ቀረባት ስለዘይተሰምዐ ግን፡ እቲ ቀንዲ ምኽንያት፡ ባንኪ ኤርትራ ባጤራ ናቕፋ ብብዝሒ ናብ ዑደት ከይወጽእ ቁጽጽር ስለዝገበረ`ዩ ዝብል እምነት ኣሎ።

ኣብ ዕዳጋታት ኣስመራ፡ ዋጋ መግቢ ብ60 ክሳብ 70% ከምዝወረደ ይንገር ኣሎ። “እቲ ቐረብ ጎዲሉ እንተዝኸውን፡ እቲ ዋጋ ኣይምጎደለን፡ እቲ ነጋዳይ ባዕሉ ብፍቓዱ ነታ ኣቕሓ ይሸጣ እንተልዩ ጸገም የብላን፡ ሸማታይ ከኣ በታ ኣብ ጅብኡ ዘላ ዝወሓደቶ ገንዘብ ነቲ ዘድልዮ መግቢ ክገዝእ እንተኽኢሉ ጸገም ኣይኮነን” ይብል ዶ/ር ተስፋይ መሓሪ። ገንዘብ ካብ ባንኪ ክነውጽእ ኣይከኣልናን እናበሉ ዘማርሩ ነበርቲ `ውን ውሑዳት ኣይኮኑን። ንሰራሕተኛታት መንግስትን ነቲ ውሑድ ደሞዙን ምቹእ ኩነታት ከምዝፈጠረሎም ዝግልጹ`ውን ከምኡ ውሑዳት ኣይኮኑን።

Nakfa Currency
Nakfa Currency

ብዛዕባ ኣድማዕነትን ክውንነትን`ቲ ሓዲሽ ፖሊሲ ካብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ንምስማዕ ምትሕብባር ኣይረኸብናን።

ምሁር ስነ-ቑጠባ ዝሃበና ናጻ ርእይቶ ግን ቀሪብና`ለና።

መንግስቲ ኤርትራ ባጤራ ድሕሪ ምቕያሩ ኣብ ዕዳጋታት እንታይ ተርእዮ ፈጢሩ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:24 0:00

XS
SM
MD
LG