ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተገብረ ቅትለት ሰባት ትኹረት ክገብርሉ ዓለም-ለኻዊ ጥምረት ተሓለቕቲ መሰላት ኣተሓሳሲቦም


ዓለማዊ-ጥምረት ተሳትፎ ዜጋታት፡ ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሓለቕቲ መሰላት፡ ከምኡ`ውን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝርከብዎም ማሕበራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ቕትለት ብናጻ ወገን ክምርመር ክፈቅድን፡ ምስ ተቓወምቲ ክላዘብን ጸዊዖም ኣለዉ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ወሲኽካ ዝተፈላለዩ ወገናት ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት: መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወስዶ ስጉምቲ ምላሽ እንተሃብሉ`ኳ፡ መንግስቲ ግን እቲ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ዝወስዶ ጭፍለቓ ቀጺልዎ ከምዘሎ`ዩ ዝንገር። ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዳይሬክተር ምብራቕ ኣፍሪቃ ሙቶኒ ዋንየኪ፡ 'እቶም ኣብ`ቲ ኩነታት ተለቒሞም ዝተኣሰሩ ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑ፡ ብፖሊስ ዝተወስደ ስጉምቲ ብናጻ ወገን ክምርመርን፡ ገበነኛታት ኣብ ፍትሒ ክቐርቡን። ድሕሪኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሕዛ ናይ ተቓውሞ ሰልፊታት ክኽተሎ ብዛዕባ ዝግባእ ናብ ምይይጥ ዝወስድ መድረኽ ክኽፈት ተስፋ ንገብር” ኢላ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ማስተር ፕላን ደው ከምዘበሎን፡ ሕቶ ህዝቢ ከም ዝሰምዕን ብምግላጽ፡ እቲ ህውከት ዘለዓልዎ ጸረ-ልምዓት`ዮም ይብል። ብዙሓት ካብ`ቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዝተለቕሙ ኢትዮጵያውያን፡ በቲ ኣሰሓሓቢ ጸረ-ሽበራ ሕጊ ተታሒዞም ከምዘለዉን፡ ንመስቀይትን ካልእ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ተቓሊዕም ከምዝርከቡን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG