ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ረድኤት ምግቢ ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ 18-ሚልዮን'ዮም - በዓልስልጣን ዩሴአኣይዲ


ሎም መዓልቲ ኣብ ዝጀመርናዮ ሓድሽ ዓመተ 2016 ዓ.ም ረድኤት ምግቢ ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ 18-ሚልዮን'ዮም - ክብሉ ኣብ ዩሴአኣይዲ ናይ ወፃኢ ልምዓት ሓላፊ ጀረሚ ካናንዳይክ ንቪኦኤ ገሊፆም።

እቶም በዓልስልጣን ንቪኦኤ ኣብ ዝህብዎ ቃለ-መጠይቅ እቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ የድልዮም'ዩ ክብል ዝገለፆም 10.2 ሚልዮን ሰባት ካብቶም ድሮ ብመርሃ-ግብሪ ሴፍቲኔት ዝተሓቁፉ 8-ሚልዮን ብተወሳኺ'ዮም ኢሎም።

ወሲኾም ቁፅሪ ረድኤት ምግቢ ዘድልዮም ኢትዮጵያውያን ብሓፈሻ 18-ሚልዮም'ዮም ክብሉ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ-ዘበን ብሰንኪ ኤልኒኞ ብዘጋጠመ ደርቂ ዘስዓቦ ሕፅረት ምግቢ ተወሳኺ 88-ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ንምሃብ ከም ዝወሰነ ኣብ ቀረባ ምግላፁ ዝዝከር'ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:24 0:00

XS
SM
MD
LG