ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካዊያን ፖለቲከኛታት ኣብ ልዕሊ ምጥያስ ሶርያዊያን ምስ ፕረዚደንት ኦባማ ይላተሙ


ገለ ኣሜሪካዊያን፣ድሕሪ መጥቃዕቲ ግብረ-ሸበራ ኣብ ፓሪስ፣ ንሶርያዊያን ስደተኛታት ክንቅበል የብልናን፣ ወይ ንክርስትያናት ጥራሕ ኢና ፈሊና ክንቅበል ዘለና በሃልቲ ኮይኖም ኣለው።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ግና ነቲ ሓሳብ ነጺጎምዎ፣ “ግብረ-መልሲ መጥቃዕቲ ግብረ-ሸበራ ፍርሂን ራዕዲን እንተኾይኑ ፈሺሉና ኣሎ ማለት’ዩ” ኢሎም ፕረዝደንት ኦባማ።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፣ ልዕሊ ክልተ ደርዘን ኣማሓደርቲ ክፍለ-ሃገራት ኣሜሪካ፣ ንሶርያዊያን ስደተኛታት ናብ ግዝኣቶም ከይቅበሉ ይኽእሉ’ዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG