ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳ፡ ንጥርጡራት መጥቃዕቲ ፓሪስ ትሃድን


ካብ መንጎ'ቶም ዝሓለፈ ዓርቢ አብ ፓሪስ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሓደ ናይ ሶርያ ፓስፖርት ዝሓዘን ዝሓለፈ ወርሒ ብግሪኽ አቢሉ ብጃልባ ናብ ፈረንሳ ዝአተወ ምዃኑ ተፈሊጡ። እዚ ክስተት'ዚ ነቲ ድሮ ዉዕይ ዘሎ ክትዕ ጉዳይ ስደተኛታት አጋዲድዎ'ሎ።

አብ አፍደገ ስታድዮም ፓሪስ ርእሰ-ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ካብ ዘካየዱ ሓደ ኣሕመድ ኣል ኣሕመድ ይብሃል። ምስ ሬስኡ ትምዩን ዝመስል ናይ ሶርያ ፓስፖርት ከምዝተረኽበን ኣሰር አጻብዕቱ ምስ'ቲ ናብ ግሪኽ ክአተው ከሎ ዝተሳእሎ ተመሳሳሊ'ዩ'ውን ተባሂሉ።

'እዞም ስደተኛታት ናብ ኸተማታትን ቁሸታትን ፈረንሳ ምዝርግሖም አብ'ቲ ህዝቢ ናይ መጥቃዕቲ ስግኣት ክፈጥረሎም ይኽእል'ዩ' ትብል ማሪን ለ ፔን መራሒት የማናዊ ፓርቲ ሃገራዊ ግንባር ፈረንሳ።

ብኻልእ ወገን መብዛሕትኦም ኣጥቃዕቲ ኣውሮጳዊያን ዜጋታት ምዃኖም ምዝካር የድልይ ይብል አብ ኤስያን ፓሲፊክ ዝሰርሕ ተንታኒ ጸጥታ ጃጂን ኮሀን።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ፈረንሳ፡ ንጥርጡራት መጥቃዕቲ ፓሪስ ትሃድን
please wait

No media source currently available

0:00 0:26:19 0:00

XS
SM
MD
LG