ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እንግሊዝ፡ ስደተኛታት ናብ ኣፍሪቃ ክምለሱ ንዝብል ትድግፍ


ኣብ`ቲ ኣብ ማልታ ዝተግጋብኤ 60 መራሕቲ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዝተሳተፍሉ ዋዕላ ዝተዛረበት ሚንስተር ውሽጢ ሃገር ብሪጣንያ ተረሳ መይ፡ “ነቲ ኣብ መንጎ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ዝግበር ጉዕዞን፡ ኤውሮጳ ዝኣተውን ዘሎ ምትእስሳር ክንሰብሮ ኣለና “ ትብል። ንዕኡ ንምግባር ከኣ፡ ሰባት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክንመልሶም ክንክእል ኣለና ኢላ።

ብኻልእ ወገን ኣብ`ቲ ዋዕላ ዝተዛረባ ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ድላማኒ ዙማ ብወገና “ ኣብ ኣፍሪቃ ወረቐት ዝሳለጠሉ መዓስከራት ስደተኛታት ክምስረት ኣይንድግፍን “ ኢላ። “ መዓስከራት ስደተኛታት፡ ሰብኣዊ መሰላት ዝግሃሰሉን፡ ደቀንስትዮ ዝዕማጻሉን፡ ንግዲ ደቂሰባት ዝበራኸተሉን`ዩ” ትብል እታ ኣፍሪቃዊት በዓልቲ ስልጣን፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

እንግሊዝ፡ ስደተኛታት ናብ ኣፍሪቃ ክምለሱ ንዝብል ትድግፍ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:58 0:00

XS
SM
MD
LG