ቦትስዋና ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ፌስተስ ሞሃየ ውዕል ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ናይ ዝከታተል ኮሚሽን ኣቦመንበር ኮይኖም ስለዝተመዘዙ ዩናይትድ ስቴተስ ታሕጓሳ ገሊፃ።
ኣምባሳደር ስዩም መስፍን “መራሕቲ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ድሕሪ ሰፊሕ ምኽክር ሓደ ካብቶም ኣዚዮም ዝተኸብሩ መራሕቲ ኣፍሪካ ዝኾኑ ናይ ቀደም ናይ ቦትስዋና ፕሬዝዳንት ክቡር ፌስተስ ሙሃየ ኣቦ መንበር እቲ ኮሚሽን ንክኾኑ መሪፆም ኣለው።” ኢሎም
ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ብወገኑ 'ሹመት ፕሬዝዳንት ፌስተስ ሙሃየ ከምዘሐጎሶ ብምግላፅ' እቶም ፕሬዝዳንት 'ንዓለምለኸ ኪኢላታት ብምምራሕ ስምምዕ ደቡብ ሱዳን ኣብ ግብሪ ምውዓሉን ዘይምውዓሉን ክከታተሉ እዮም' ይብል።
ዋና ኣደራዳሪ ሰላም ደቡብ ሱዳን ኣምባሳደር ስዩም መስፍን እውን ቀንዲ ፈርምቲ እቲ ሰነድ፣ዝምልከቶም ካልኦት ኣካላት፣ህዝቢ ደቡብ ሱዳንን ዓለምልኸ ማሕበረሰብን እቲ ኮምሽን ክመርሑ ንዝተመርፁ ፕሬዝዳንት ሴስተስ ዘድሊ ዘበለ ሓገዝ ንኽግበርሎም ፀዊዖም።
ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።