ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ምስ ኣሚሶም ናብ ሶማሊያ ካብ ዝወፈራ ሃገራት፡ ብኣልሸባብ ዘይተጠቕዐት ብሕታዊት ሃገር


ሰራዊት ኢትዮጵያ
ሰራዊት ኢትዮጵያ

ኣል-ሸባብ ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 5 ዓመታት፣ብዘይካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ቦምባዊ መጥቃዕቲ ፈፂሙ’ዩ።

ኬንያ፣ ኡጋንዳ፣ ጂቡቲ፣ ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድ - ኩለን ብኣል-ሸባብ መጥቃዕቲ ኣጋጢሙወን’ዩ። ንኣል-ሸባብ ክትገጥም ቅድሚ 9 ዓመታት ዝወፈረት ኢትዮጵያ ግና መጥቃዕቲ ኣየጓነፋን።

ወሃቢ-ቃል ምኒስቴር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ሙሉጌታ ‘ኢትዮጵያ ንህዝቢ ኣሳቲፋ’ያ ንመጥቃዕቲ ኣል-ሸባብ ኣፍሺላ’ ይብሉ።

ኣስዒቦም ‘ሰላም እንተዘይሃልዩ እንታይ ማለት ምኻኑ ንፈልጥ። ረብሕኡ ብህዝብና ዝፍለጥ’ውን’ዩ። ስለዚ ዝኾነ ሓይሊ ንክህውኸና ኣይፈቅዱን። ሓይልታት ፀረ-ሰላምን ኣሸበርቲን ዶብ ሰጊሮም እንተኣትዮም፣ህዝቢ ከቃልዖም’ዩ። ክዋጋኦም’ዩ’ ይብሉ ንሶም።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ኣብ’ቲ ዞባ እቲ ዝሓየለ ሰራዊት ከምዝኾነ’ዩ ዝፍለጥ። ተንታኒ ሰላምን ፀጥታን ሰንደይ ኦከሎ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ'ዚ ብርኪ'ዚ ዝበፅሓሉ ምኽንያት ኢትዮጵያ ካብ ኣል-ሸባብን ካልኦት ሃገራትን ስግኣት ፀጥታ ስለዘለዋን ምኻኑ’ውን ገለፀ።

‘ኢትዮጵያ፣እቲ ዘለዋ ስግኣት ፀጥታ ትፈልጦ’ያ። ነቲ ካብ ኤርትራ ዝመፃ ስግኣት ዓይና ክትዕምትን ክትታኽስን ኣይትኽእልን። ካብ ሶማልያ፣ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝመፃ ስግኣት’ውን ኣሎ።ብመንፅር’ዚ፣ ኢትዮጵያ ንመርበብ ድሕነታን ፀጥታኣን ኣጠናኺራ’ላ’ ይብል ሰንደይ።

XS
SM
MD
LG