ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዘበናዊ ኣገልግሎት ባቡር ኣዲሳበባ ሰንበት ክጅምር'ዩ


ባቡር ኣዲስ ኣበባ
ባቡር ኣዲስ ኣበባ

475 ሚልዮን ዶላር በጀት ዝተሰልዓሉ መጓዓዝያ ባቡር ከተማ ኣዲሳበባ ሰንበት ስርሑ ክጅምር’ዩ።

እዚ ማለት፣ኣዲስ ኣበባ ኣብ ታሪኻ ንፍለማ ጊዜ ተጠቃሚት ዘበናዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ባቡር ከተማ ክትከውን’ያ።

ምጅማር’ቲ ኣገልግሎት፣ብዝተፈላለይ ምኽንያታት ተጓቲቱ’ዩ ፀኒሑ። ባቡር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኤሌክትሪካዊ ሓይሊ’ዩ ዝጥቀም።

ብሓፈሽኡ 34 ኪ/ሜትር ንውሒ ዘለዎን ንኣርባዕቲኡ ኩርናዓት’ታ ከተማ ዘራኽብን’ውን’ዩ።

እቲ ካብ ቻይና ዝተረኸበ ልቓሕ ዝተሃነፀ መስመር ባቡር ከተማ ኣዲሳበባ፣ንናይ’ታ ከተማ ፀገም መጓዓዝያ ኣዝዩ ከቃልል’ዩ ዝብል ተስፋ ኣሎ ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG