ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሌላ ምስ ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት

ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት ቅድሚ ኣርብዓተ ዓማውቲ ብ2004 እዩ ተጣይሹ። ዛጊድ ክልተሻብ ኣመሪቑ’ሎ።

ፕሬዝደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዶክተር ዛይድ ነጋሽ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብስሩዕን ዘይስሩዕን እዋን ትምህርቲ ልዕሊ 10,000 ይመሃሩ ኣለዉ ኢሎም። 43 ደቂ ወፃኢ ሃገራት ሓዊሱ 661 መምሃራን ሒዙ’ሎ፤ ከምኡ እውን 1179 ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ድጋፍ ኣብ ስራሕ ይርከቡብምባል ይገልፁ።

ዩኒቨርሲቲ ዓዲ ግራት እቲ ዝዓበየ ጠመትኡ ኣብ ምህንድስናን ቴክኖሎጂን እዩ። 70 ምኢታዊ ተምሃሮ ተፈጥሮኣዊ ሳይንስ እዮም ዘፅንዑ ዘለዉ። ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዘለዉ እቶም 45 ምኢታዊ ኣብ ክፍሊ ምህንድስናን ቴክኖሎጂን እዮም ዝመሃሩ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ መጽናዕትን ምርምርን እውን ኣድሂቡ ይሰርሕ ምህላዉ ዶክተር ዛይድ ይገልፁ።


XS
SM
MD
LG