ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሸቶ ምለንየም ዝተነፀረ ምንካይ ኤይድስን ምስ ኤይድስ ዝተኣሳሰሩ ሕማማትን ከምዝተዓወተ ሓድሽ መፅናዕቲ ሕ/ሃ ኣፍሊጡ


ኣብ ሸቶ ምለንየም ዝተነፀረ ምንካይ ኤይድስን ምስ ኤይድስ ዝተኣሳሰሩ ሕማማትን ከምዝተዓወተ ሓድሽ መፅናዕቲ ሕ/ሃ ኣፍሊጡ

ብመሰረት’ዚ ሪፖርት፣ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 15 ዓመታት ለበዳ ኤይድስ ብ35 ሚእታዊ፣ኤይድስ ዝጠንቁ ሞት ድማ ብ41 ሚእታዊ ነክዩ’ሎ።

ነዚ ዜና’ዚ ኣብ ኣዲሳበባ ዘበሰሩ ዋና ፀሓፊ ሕ/ሃ ባን ኪሙን’ዮም፣

“15 ሚልዮን ሰባት ፀረ ሕማም ኤይድስ ክንክን ይረኽቡ’ለው።ክንዲ ዘጋጠመ ፈተና የጋጥም ክንምክቶ ከምንኽእል ኣርኢና ኣለና።15 ሚልዮን ሰባት ክንክን ይረኽቡ’ለው ማለት ቢልዮናት ስድራቤታት መከላኸሊ ረኺቦም፣ቢልዮናት ዶላራት ካብ ኪሳራ ድሒኑ’ሎ’ውን ማለት’ዩ።ካብ’ዚ ዝሓለፈ፣ካብ ኤይድስ ናፃ ዝኾነ ወለዶ’ውን ይመፅእ ኣሎ”

ብኤይድስ ዝተጎድአ ክፍሊ ዓለም ክነልዕል ከለና ቀዲሙ ዝስራዕ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ’ዩ።ምግፋሕ ለበዳ ኤይድስ ዝተቀልበሰለን ሃገራት ግና ኣለዋ’የን።ናሚቢያ፣ሴነጋልን ኢትዮጵያ ይጥቀሳ።

ብደረጃ ዓለም ይብል እቲ ሪፖርት፣ክንክን ፀረ ኤይድስ ንህይወት 7.8 ሚልዮን ሰባት ኣድሒኑ’ሎ።ክንክን ማለት ዝተወልዱ 1.4 ሚልዮን ህፃናት ቫይረስ ኤይድስ ካብ ኣደ ኣይሓለፎምን ማለት’ዩ።

ዳይረክተር ክፍሊ ኤይድስ ሕ/ሃ ማይክል ስዲቤ ብወገኖም፣ሕሙማት ኤይድስ ድሕሪ 8 ኣዋርሕ፣መድሓኒት ፀረ ኤይድስ መዓልታዊ ዘይወስድሉ ጊዜ ክኾውን’ዩ በሉ።

“ኣብ ዝሓፀረ እዋን ሕሙማት ኤይድስ ካብ 4 ክሳብ 6 ወርሒ ዘገልግሎም ክታበት ክወስዱ’ዮም።እዚ ኣሰራርሓ’ዚ ንድኻታት ኣገልግሎት ነቅርበሉ ኣገባብ ክቅይሮ’ዩ።ክጓዓዙ የብሎምን፣ናብ ክሊኒክ ክመፁ የብሎምን፣ ክኒናታት ክኽዝኑ የብሎምን ማለት’ዩ”

እዞም ተስፋታት’ውን እናሃለው ቅድሚኡ ገና ብዙሕ ክዕየዩ ዘለዎም ነገራት ኣለው።ዓሚ ጥራሕ 2 ሚልዮን ኤይድስ ዝሓዞም ሰባት ነይሮም፣ 13 ሚልዮን ቆልዑ ድማ ካብ ወላዲኦም ሓደ ሞይቱዎም’ሎ።

ኣብ’ዚ ቀረባ ሰሙናት ሸቶ ምለንየም ብሸቶ ነባራይ ምዕባለ ክትካእ’ዩ። ብመሰረት ሓድሽ ሸቶ ክሳብ ዝመፅእ 15 ዓመታት፣ኤይድስ ሙሉእ ንሙሉእ ምጥፋእ ዝብል’ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:37 0:00

XS
SM
MD
LG