ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕላል መደብ መንእሰያት ድምጺ ኣመሪካ ምስ ተፈራ ገብረክርስቶስ


ተፈራ ገብረክርስቶስ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ናይ 80ታት ውሩይ ኣጥቅዓይ ጋንታ ቀይሕ ባሕርን ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራን ምንባሩዩ ዝፍለጥ።

ካብዚ ዝተበገሰዩ ዝኸውን ሓያሎ ኣፍቀርቲ ስፖርት ኤርትራ ብፍላይ ንቅዲ ኩዕሶ ኣተሓሕዝኡን ኣተዓጻጽፍኡን እንክዝክሩ ምስ እንግሊዛዊ ቤክሃም የመሳስልዎ። ካልኦት ድማ ናይቲ ግዜ ጆርጅ ቤስት ናይ ኤርትራ ኢሎምውን ይገልጽዎዮም።

መደብ መንእሰያት ድምጺ ኣመሪካ ምስ ተፈራ ገብረክርስቶስ ዕላል ገይራ ኣላ። ነቲ ዕላል ዘበገሰ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝተኻየደ ፌስቲቫል ኩዕሶ እግሪ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ክብሪ ዕዱም ኮይኑ ካብ ሃገረ ካናዳ ምምጽኡዩ።

ተፈራ ብዕድመ መንእሰይ ኣይኮነን። ኣብ መንእሰያት ዘተኮረ ስፖርታዊ ንጥፈታት ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ስለዝሰርሕ ግን ጋሻ መደብ መንእሰያት ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:22 0:00

XS
SM
MD
LG