ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ከም መሳርሒ ተጠቒምካ ዝግበር ምጉብዕባዕ ኣየሻቕለናን`ዩ` ዲፕሎማት ኤርትራ


Amb.Tes.Gherahtu
Amb.Tes.Gherahtu

ኣብ ጉባኤ ቤት መኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ክገልጹ ኸለዉ፡ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኤርትራውያን ኢና እናበሉ ዑቕባ ዝሓቱ ዘይ-ኤርትራውያን ስደተኛት ብዙሓት ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ብዛዕባ ሃገሮም ክዛረቡ ኸለዉ ድማ፡ ኤርትራ ክሳብ 2018 ዝትግበር ዝሓዘቶ ሓዲሽ መደባት ከምዘሎ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብ ውሽጢ 3 ወይ 4 ዓመት ዝትግበር ሓዲሽ ሕገ-መንግስቲ ትጽሕፍ ኣላ ኢሎም።

ናይ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ኤርትራ ምትርማስና ጠጠው እንተዘየቢላ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ምባሎም ይፍለጥ።

ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ብወገኖም፡ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንምድኻም ትፍትን ኣላ ብምባል ንሶም`ውን ንኢትዮጵያ ብምህዋኽ ከሲሶማ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:02:37 0:00

XS
SM
MD
LG