ኣብ ጉባኤ ቤት መኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ክገልጹ ኸለዉ፡ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኤርትራውያን ኢና እናበሉ ዑቕባ ዝሓቱ ዘይ-ኤርትራውያን ስደተኛት ብዙሓት ከምዘለዉ ሓቢሮም።
ብዛዕባ ሃገሮም ክዛረቡ ኸለዉ ድማ፡ ኤርትራ ክሳብ 2018 ዝትግበር ዝሓዘቶ ሓዲሽ መደባት ከምዘሎ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብ ውሽጢ 3 ወይ 4 ዓመት ዝትግበር ሓዲሽ ሕገ-መንግስቲ ትጽሕፍ ኣላ ኢሎም።
ናይ ኢትዮጵያ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ኤርትራ ምትርማስና ጠጠው እንተዘየቢላ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና ምባሎም ይፍለጥ።
ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ብወገኖም፡ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ንምድኻም ትፍትን ኣላ ብምባል ንሶም`ውን ንኢትዮጵያ ብምህዋኽ ከሲሶማ።