ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 30 ዓመታዊ ውድድር ስፖርት ኤርትራውያን ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ካሊፎርንያ ይቕጽል ኣሎ


Eritrean Sport in LA
Eritrean Sport in LA

ካብ ዓበይቲ 20 ጋንታታት ይሳተፋ`ለዋ

ኣብ`ቲ ዝሓለፈ ሰንበት ዝጀመረ ውድድር ካብ ሎንዶን ከምኡ`ውን ካብ ካናዳ ዝመጻ ጋንታታት ወሲኽካ 20 ናይ ዓበይቲ ጋንታታት ይሳተፋ`ለዋ።

ናይ ደቀንስትዮ ጋንታታት ኩዕሶ እግርን ኩዕሶ ሰኪዔትን`ውን ይሳተፋለዋ-ከም ሓበረታ ኣቦ-መንበር ቦርድ ፈደረሽን ኣቶ ብርሃነ ገብረዝጊኣብሄር።

ሎሚ ዓመት ኣብ 80`ታት ፍሉጥ ተጻዋታይ ግንታ ኤለክትሪክ ኤርትራ ዝነበረ ተፈራ ገብረክርስቶስ ናይ ክብሪ ጋሻ ኾይኑ ተዓዲሙ`ሎ።

እቲ ስፖርታውን ማሕበራዊ መደባትን ከምኡ`ውን ከም ድምጻውያን ወዲ ትኹል፡ ከዲጃ ኣደምን ሄለን መለስን ዝሳተፍሉ ፈስቲቫል ኣብ ሓምለ 4ተ ማለት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ክዛዘም`ዩ።

ምስ ኣቶ ብርሃነ ዝተገበረ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:54 0:00

XS
SM
MD
LG