ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ኩናማ ኤርትራ፡ ኣቶ ቀርነለዎስ ዕስማን ኣጋር ኣብ ክፍለ ግዝኣት መነሶታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ


Kernelewos Osman Agar

ጉዳይ ኣቶ ቀርነለዎስ ካብ ግዝኣት መነሶታ ናብ ካልእ ግዝኣት ክዛወር ሕቶ ቐሪቡ`ሎ

መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ኩናማ ኤርትራ፡ ኣቶ ቀርነለዎስ ዕስማን ኣጋር ኣብ ክፍለ ግዝኣት መነሶታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ፡ ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ሚንያፖሊስ ቀሪቡ ምንባሩ ካብ ቤት ጽሕፈት ቤት ፍርዲ ወረዳ U.S ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣቶ ቀርኒሎስ ዝተኸሰሰሉ ምድንጋር ቪዛ ዝብል ምዃኑ ቤት-ጽሕፈት ቤት ፍርዲ ወረዳ St Paul ንቪኦኤ ብስልኪ ሓቢሩ`ሎ።

ጉዳይ ኣቶ ቀርነለዎስ ካብ ግዝኣት መነሶታ ናብ ካልእ ግዝኣት ክዛወር ሕቶ ቐሪቡ ከምዘሎ ዝገለጸ ቤት-ጽሕፈት ቤት-ፍርዲ St Paul: ዳኛ ዝሃቦ ውሳነ ንቪኦኤ ክሕብር ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ኣቶ ቀርኔሎስ ዕስማን፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተወላዶ ኩናማ ንምርኻብ ናብ`ዚ ናብ U.S ምምጽኡ ዝሓልፈ ክልተ ሰሙን ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ምሕባሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG