ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ- ፀብፃብ ኮሚሽን መርማሪ ሰብኣዊ መሰላት ፖሎቲካዊ ተበግሶ ዘለዎ''ዩ ክትብል ነፂጋቶ


Eritrea
Eritrea

ኤርትራ ነቲ እታ ሃገር ብሜላዊ ሰፊሕን ከበድትን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኸሰሰ ፀብፃብ ብሕቡራት መንግስታት ዝተመዘ ኮሚሽን መርማር ሰብኣዊ መሰላት ፖሎቲካዊ ተበግሶ ዘለዎ''ዩ ክትብል ነፂጋቶ።

ቤት ዕዩ ጉዳያት ወፃኢ ኤርትራ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እቲ ፀብፃብ "ፈፂሙ መሰረት ዘይብሉን ጭብጢ ኣልቦን'ዩ" ኢሉ'ሎ።

እቲ ኽስታት መቀፀልታ'ቲ ኣብታ ሃገር ንዝተገብረ ፖሎቲካዊ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን እንኮላይ ኣብ መዳያት ሰብእዊ መሰላት ምዕባለ ዘነኣኣሰ ፖሎቲካዊ ተበግሶ ዘለዎ ወፍሪ'ዩ ክብል እቲ መግለፂ ሚኒስትሪ ወፃኢ ኤርትራ አፍሉጡ'ሎ።

ሰለስተ ኣባላት ዝሓዘ ብሕቡራት መንግስታት ዝተመዘ ኮሚሽን መርማር ሰብኣዊ መሰላት፤ ኣብ ኤርትራ ቀንዲ ፈፀምቲ መግሃስቲ ሰብእዊ መሰላት ፕረዚደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ ወሲኹ ፓርቲኦም ሰራዊት ኤርትራ ሚኒስተራት ዜና ፍትሒን መከላኸልን'ዮ ኢሉ'ሎ ኣብ ፀብፃቡ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:01:40 0:00

XS
SM
MD
LG