ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ናፃ ፍትሓዊን ተኣማኒን አይኮነን-፡ መድረኽ


Ethiopia Elections
Ethiopia Elections

ኣብ ዝሓለፈ 16 ግንቦት ዝተኻየደ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ንናይ ምርጫ ሕጊ፣ንሕገ መንግስቲ ሓዊሱ ዝጠሓሰ እዩ ክብል ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሓድነት ፓርቲ ኣፍሊጡ። ዝተኣሰሩ ኣባላቱን ወኪላቱን ብህፁፅ ክፍትሑን ሕዚ እውን ቀፂሉ’ሎ ዝበሎ ናይ ምግዳድ ስጉምቲ ጠጠው ንክብልን ፀዊዑ። ተፈፂሙ ዝበሎ ምጥሓስ ሕገ መንግስትን ካልኦት ሕግታትን ገለልተኛ ናይ ውሽጢ ሃገር ኣካል ንኸፃሪዮ እውን ፀዊዑ’ሎ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዞባታት ጉጂን ምዕራብ ሸዋን ኣብ ዝርከቡ ገለ ናይ ምርጫ ጣቢያታት ተዓዘብተይ ከይዕዘቡ ተኸልኪሎም ኢሎም ወኪላት መድረክ። ኣብ ዞባ ጉጂ፣ወረዳ ሊበን ምርጫ ጣቢያ ዳካ-ቃላ ናይ መድረክ ተዓዛቢ ኣቶ መሓመድ ኣብዱባ ንርእሶም ሓዊሱ ኩሎም ናይ ፓርቶም ተዓዘብቲ ካብ ምዕዛብ ከምዝተኸልከሉ ገሊፆም ኣለው።

ትሽዓተ ኣባላት መድረኽን ክልተ ተዓዘብትን ኣብ ቡልቡል ናይ ምርጫ ጣቢያ ተታሒዞም ኣብ ነገለ ቦረና ተኣሲሮም ከምዝርከቡ እውን ወሲኾም ሓቢሮም።

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ሊበን ኣቶ ሁካ ዲባ ግን ተዓዘብቲ መድረኽ ዝበዝሕ ድምፂ ምስተውሃበ ከምዝመፁ ብምሕባር ዝተብሃለ ኽሲ መሰረት ዘይብሉ እዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ተኣሲሮም ዝተብሃሉ ዝተሓተቱ እቶም ኣማሓዳሪ ወረዳ ንሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ ንምጥቓዕ ዝፈተኑን ንብረት ዘዕነውን ሰለስተ ሰባት ጥራሕ እዮም ዝተኣስሩ ክብሉ መሊሶም።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ኢሉ ጋላን መረፃ ጣቢያ ጃቶ ድርቂ ንመድረኽ ወኪሎም ዝተዓዘቡ ኣቶ ኣበበ ዲባባ ቅድሚ ስዓት ብፅቡቕ ይኸይድ እንተነበረ እውን ካብ ፍርቂ ማዕልቲ ንድሓር ግን ብገዛኢ ፓርቲ ዝተመደቡ ተዓዘብቲ መረፅቲ ንምልክይ ንህቢ ወይ ገዛኢ ፓርቲ ክመርፁ ይደፋፍኡዎም ነይሮም ይብሉ።ብምስዓብ ከምዚ ይብሉ ኣቶ ኣበበ።

ናታቶም ኣባላት ክመፁ ከለው 10፣20 ካርድታት ይህቡዎም።እንተ ሓቲትናዮም ድማ ስቕ ክንብል ወይ ድማ ክንወፅእ ይሓቱና።እቲ ምርጫ እናተኻየደ ከሎ እቲ ምርጫ በቲ ዝድለ ምክያዱ ናይ መተኣማመኒ ሰነድ ንኽንፍርም ይሓቱና።ኣይንፍርምን ዝበሉ ገሊኦም ተኣሲሮም ገሊኦም ድማ ተሓቢኦም ይርከብ።

ሪኢቶ ሰበስልጣን ቦርድ ምርጫ ኦሮሚያን ፌደራልን ንምርካብ ዝተገብሩ ፈተነታት ኣይሰለጡን።

ሙሉእ ፀብፃብ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:00:08 0:00

XS
SM
MD
LG